ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኢትዮጵያ ግጭት ተላዒሉ ከም ዝነበረ ተገሊጹ

ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን መንግስትን ጎንጺ ከም ዝቐጸለ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ሞያሌ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ዕጡቕ ሓይልን ግጭት ተላዒሉ ከም ዝነበረ ተገሊጹ።

እቲ ግጭት፡ ንኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ እተዋስን ከተማ ሞያሌ ተላዒሉ ዝነበረ ምዃኑ በዓል መዚ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ በዓል ስልጣን ከም ዝብሎ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተላዕለ ጎንጺ ካብ ቀዳም ንጉሆ ክሳብ ሰንበት ኣጋምሸት ዝቐጸለ ነይሩ።

እቶም ምስ ሓይልታት መንግስቲ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ዝገበሩ ዕጡቓት: መንግስቲ 'ሸኔ' ኢሉ ዝጽውዖም ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከም ዝኾኑ'ውን ሓቢሩ።

እንተኾነ በዚ ምኽንያት ብዛዕባ ዝበጽሐ ጉድኣት ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ።

እዚ ግጭት፡ መርኣያ እቲ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ክፋል ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ከም ዝኾነ ይግለጽ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ልዕሊ "ኣሸባሪ ጉጅለ ሸኔ ዘየናሕሲ ስጉምቲ ይወስድ" ኣለኹ ክብል ብፌስቡክ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት፡ ንዝሓለፉ 17 ኣዋርሕ ኣብ ረጽሚ ዝጸንሑ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ህወሓትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእል ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበሩ ገሊጾም እዮም።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝዓበየ ክፋል እታ ሃገር ዝኾነ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ሞንጎ ክልላዊ ፖሊስ ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ቐጻሊ ጎንጺ ምህላው ይግለጽ።

ብቐዳም፡ መተሓባበሪ ናይ ድሕሪት ደጀን እዚ ደቡብ ሰራዊት ምክልኻል ዝኾነ ኮሎኔል ግርማ ኣየለ "እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ሓዊሱ ናብ ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ዝጉዓዓዝ ዝነበረ ኣፋውስ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ" ኢሉ ነይሩ።

ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ብወገኑ ኣንጻር ሓይልታት መንግስቲ ብዝወስዶም ስጉምታት ይዕወት ከም ዘሎ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢ ኣብ ደቡባዊ ኦሮሞ መልካ ለሚ ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓይልታት መንግስቲ "ከቢድ ጉድኣት በጺሑዎም" ክብል ሎሚ ብትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ከባቢታት ደቡብ ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ክበጽሕ ዝጸንሐ ኮይኑ መንግስቲ ንሸኔ ተሓታቲ ይገብር።

እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርኣዩ ዘለው ጸገማት ጸጥታን ድሕነትን ድማ ሰብኣዊ ቅልውላው እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከየዕርጉዎ ይስጋእ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት፡ ደርቂ፣ ጎንጽን ሕማማትን ተደሚሩ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከድልዮም ከም ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።