ብሩስ ዊልስ ብሰንኪ ኣፋዝያ ዝተብሃለ ሕማም ኣእምሮ ካብ ምውሳእ ተሰናቢቱ

ብሩስ ዊልስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብሩስ ዊልስ

ዉሩይ ናይ ሆሊዉድ ተዋሳኢ ብሩስ ዊልስ ብሰንኪ ናይ ምዝራብን ናይ ምጽሓፍን ክእለትካ ዘዳኽም 'ኣፋዝያ' ዝተብሃለ ሕማም ኣእምሮ ካብ ምውሳእ ዓለም ከምዝተሰናበተ ተፈሊጡ።

ብዓልቲ ቤቱ ኢማ ሀሚንግ ዊልስ፡ ብዓልቲ ቤቱ ነበር ሰሚ ሚርን ካልኦት ስድራ እቲ ውሩይ ተዋሳእን ንኹነታት ብሩስ ዊልስ ኣመልኪቶም ብረቡዕ'ዮም ብኢንስታግራም ሓበሬታ ሂቦም።

እቲ ብስድርኡ ዝተውሃበ መግለጺ "ኣፋዝያ ናይ ምግንዛብ ዓቕሙ ኣዳኺምዎ'ዩ" ይብል።

ወዲ 67 ዓመት ብሩስ ዊልስ በታ ኣብ 'ዳይ ሃርድ' ትብል ፊልም'ዩ ዝያዳ ህቡብነት ረኺቡ።

እቲ ስድርኡ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ "ንኹሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብቲ ንዕኡ ኩሉ ነገር ዝነበረ ምውሳእ ተኣልዩ ኣሎ" ድሕሪ ምባል "እዚ ንስድራና ኣዝዩ በዳሂ ግዜ" ይብል።

Presentational grey line

ሕማም ኣፈዝያ እንታይ'ዩ?

  • እዚ ሕማም ዝሓመመ ሰባት ምዝራብ ይስእኑ፡ ገለ ቃላት ናይ ቋንቋ ኣዲኦም'ውን ይጠፍኦም
  • ብሰንኪ ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ ሓንጎል ዘጋጥም ዕንወት'ዩ ዝኽሰት [መብዛሕትኡ ግዜ ብወቅዒ]
  • በዚ ሕማም እዚ ዝተጠቅዑ ሰባት ከንብቡ፡ ክሰምዑ፡ ክዛረቡን ክጽሕፉን እንከለዉ ይሽገሩ
  • እቲ ቀንዲ ክዛረቡ እዮም ዘይክእሉ፡ ፊደላት ኣላጊቦም ቃላት ንምውጻእ ኣዝዮም ይጋደሉ እንተተዛረቡ'ውን ነቲ ቃላት ብቅኑዕ ኣየውጽእዎን
Presentational grey line

እቲ ኣብ 1980ታት ምውሳእ ዝጀመረ ብሩስ ዊልስ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብታ ኣብ መደበር ተለቪዥን ኤቢሲ ዝተመሓላለፈት ''ሳይቢል ሸፐርድ ኣርእስታ ፊልም'ዩ ተዋሲኡ።

ኣብ 1988 'ዳይ ሃርድ' ኣብ እትብል ፊል ጆን ማክላን ኮይኑ ምስ ተዋሰአ ኸኣ ናይ ምውሳእ ዓቕሙ ብኹሉ ክምስከረሉ ጀሚሩ።

ካብኡ ጀሚሩ ኸኣ ኣብ ከም 'ሲክስዝ ሰንስ' ፡ 'ኣርማጌዶን' ከምኡ'ውን 'ፑልፕ ፊክሽን' ኣብ ዝብል ፊልምታት ብምስራሕ ብምስራሕ ሽሙ ክብ ከብል ክኢሉ።

ብሩስ ዊልስ ሓሙሽተ ግዜ ንሽልማት ጎልደን ግሎብ ክሕጸ እንከሎ ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ ኣህጉራዊ ሽልማታት ኮይኑ።

ብዙሓት ተዋሳእቲ፡ ብሩስ ዊልስ ብዘጋጠሞ ሕማም ጓሂኦም ገሊጾም ኣለዉ።