ኮምቦልቻ፡ "ኣብ ቅድሚ ጓለይ ተዓሚጸ"

ማእከል ኢንዱስትሪ ዝኾነት ከተማ ኮምቦልቻ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ትግራይን ኲናት ካብ ዝካየደላ ክልተ ወርሒ ሓሊፉ ኣሎ፡፡
ኣብታ ከተማ ህይወት ናብ ንቡር ዝተመለሰ ይመስል፤ ኮይኑ ግና እቲ ኲናት ገዲፍዎ ዝሓለፈ በሰላ ሎሚ እውን ትኩስ እዩ ዘሎ፡፡
[ኣብዚ ዛንታ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ናይ ዝገለጻ ደቂ ኣንስትዮ ሓቀኛ ስም ተቐዪሩ ኣሎ]

"ኣብ ቅድሚ ጓለይ ተዓሚጸ" እትብል ፋቲማ ኣሕመድ እቲ ኩነታት ከቢድ በሰላ ካብ ዝገደፈሎም ሰባት ሓንቲ እያ፡፡
ንሳ፡ ኣብ ጥቓ እታ ዝተወለደትላ ከተማ ሃይቅ ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ ክትሰምዕ እንከላ ሓይልታት ትግራይ ናብታ ከተማ ከም ዘይኣትዉ ርግጸኛ ነይራ፡፡
ኣብቲ እዋን ዝነበራ ትልሚ መነባብሮኣ ንምምሕያሽ ስራሕ ምጅማር እዩ፡፡ ብምኽንያት ሞት ኣቦኣ ትምህርቲ ካብ ሻብዓይ ከፍሊ ኣይቀጸለትን፡፡
ንባዕላን ኣዲኣን ንምሕጋዝ ኣብ ከተማ ሃይቅ ስራሕ ኣሊሻ፤ ኣይኮነላን፡፡
ድሕሪኡ ግና ብደለልቲ ኣቢላ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ስራሕ ረኺባ፤ ኣብ ሓደ ማእከላይ ሆትል መሳሰዪት ኮይና ስራሕ ጀሚራ፡፡
ድሕሪ ሰሙን ሃይቅ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣትያ፡፡ ብተመሰሳሊ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ኮምልቻ እውን ተቆጻጺሮምዋ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኮምቦልቻ ምስ በጽሑ ካብ ዝኣተዉዎም ሆቴላት ሓደ እቲ ፋቲማ እትሰርሐሉ ከም ዝኾነ ትዛረብ፡፡
ኣብቲ እዋን ዝሓተትዎ መግቢ ኣቕሪባትሎም ወጺኦም ከይዶም፡፡ እዚ ንፋቲማን ንካልኦት ሰለስተ መሳርሕታን ሩፍታ ዝህብ ነበረ፡፡
ዝኾነ ዓይነት ምትንዃልን መጥቃዕትን ስለ ዘይፈጸሙለን ተሓጒሰን፡፡ እዚ ታሕጓሰን ግና ንሓደ ለይቲ እዩ ነይሩ፡፡
''ብጽባሒትኡ ለይቲ በሪ ዓጺና ምስ ደቀስና በሪ ክፈታ ኢሎምና'' ብምባል እቲ ኣብ ህይወተይ ዘይርሰዖ እትብሎ በሰላ ከመይ ከም ዝጀመረ ትገልጽ፡፡
ኣይንኸፍትን ብምባለን ግን ነቲ በሪ ሰይሮምዎ ከም ዝኣተዉ ትዛረብ፡፡
''ምስ ኣተዉ ንምንታይ ዘይከፈትክንኦ ኢሎም ንኹላትና ብጽፍዒትን ብርግሒትን ሃሪሞምና። ኩሎም ብረት ሒዞም ነይሮም፤ ዝተወሰኑ ጽዕድው ዝበለ ድቢዛ ተኸዲኖም ነይሮም፤ ሐዚ ንዕኡ ዝመስል ናይ ወተሃደር ክዳን ብዝረኣኹ ንሳቶም እናመሰሉኒ ይስንብድ'የ'' ትብል፡፡
እቶም፡ በሪ ናይቲ ሆቴል ሰይሮም ዝኣተዉ ወተሃደራት ሸሞንተ ነይሮም ትብል።
ክልቲኦም ብጠበንጃ ኣፈራሪሖም ናብ ሓደ ክፍሊ ከም ዝወሰድዋ እትገልጽ ፋቲማ ''ቅተሉኒ እምበር ኣይከይድን ምስ በልኩዎም ብጽፍዒትን ርግሒትን ወቒዖም እናጎተቱ ናብ ዓራት ወሲዶምኒ '' ብምባል ነቲ ኩነታት ትዝክር፡፡
''ናብ መደቀሲ ክፍሊ ምስ ኣእተዉኒ እናተባረዩ ከም ድላዮም ገይሮምኒ'' ብምባል ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸማ ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ተዛሪባ፡፡
ኣብቲ እዋን እተን ካልኦት ኣዕርኽታ እንታይ ከም ዝበጸሐን ኣይትፈልጥን ነይራ፡፡
ብጽባሒትኡ ምስ መሓዙታ ምስ ተራኸበት ዘጋጠማ ኣይነገረተንን ነይራ፡፡
ጸኒሓ ብዛዕባ ዘጋጠማ ጾታዊ ዓመጽ ምስነገረተን ግን እተን ካልኦት ሰለስተ መሓዙታ እውን ተመሳሳሊ በደል ከም ዘጋጠመን ነጊረናኣ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ኮምቦልቻ ኣብ ዝተቖጻጸሩሉ እዋን መብራህትን ስልክት ኣይነበረን፡፡
ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ ፋቲማን መሓዙታን ዝኸዳሉ ካልእ ቦታ ስለ ዘይነበረን ነቲ ዝተሰበረ በሪ ጸጋጊነን ኣብቲ ዝሰርሓሉ ሆቴል ከም ዝደቀሳ ትዛረብ፡፡
እቲ በሪ ደጊሙ ተንኳኽኲሑ፤ ተመሳሰልቲ ሰባት እዮም፤ እኒ ፋቲማ ግን ኣይንኸፍትን ከም ዝበላን ደርጒሖም ከም ዝኣተዉን ትገልጽ፡፡
ክምሕሩወን ከም ዝለመነኦም እትዛረብ ፋቲማ እንተኾነ ''ካብቲ ናይ ትማሊ ዝገደደ ኣጋጢሙና'' ትብል፡፡
ካብዚ ንላዕሊ ኣብቲ ቦታ ምጽናሕ ዝገደደ ሓደጋ ከም ዘስዕበለን ስለ ዝፈለጣ ድማ ናብ ቤተሰበን ንምኻድ ወሲነን፡፡
ፋቲማ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብ ሃይቅ ናብ ዝርከብ ናይ ኣዲኣ ገዛ ከም ዝኣተወት ትዝክር፡፡
ኮይኑ ግና ኣዲኣን ኣሕዋታን ኣብ ገዛ ኣይረኸበቶምን፤ ካልእ ጭንቀት ኮና፡፡ ጎረባብቲ ናብ ገጠር ሃዲሞም ከም ዝኸዱ ነጊሮምዋ፡፡ ንሳውን ናብቲ ዝተባህለ ገጠር ከይዳ።
ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ሓይልታት ትግራይ መልሲ ንምርካብ ፈቲኑ ምላሽ ኣይረኸበን፡፡
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ንዘብል ክሲ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ግና ሰራዊቶም ስነ ምግባር ዘለዎም ከም ዝኾኑን ንዝቐርበሎም ክስታት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረን ሓቲቶም ነይሮም፡፡

ዘምዘም ሓይልታት ትግራይ ወልድያ ሓሊፎም ናብ ከተማ ደሴ ኣብ ዝግስግሱሉ፡ ኣብ ኮንስትራክሽን ምስ ዝሰርሕ ሰብኣያ ደሴ እንተይበጸሕካ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ትነብር ነይራ፡፡
ናብታ ከተማ ምስ ኣተዉ ክልተ ዕጡቓት ኣብ ቅድሚ በዓል ቤታን ውላዳን ከም ዝሃረሙዋ ትገልጽ፡፡
በዓል ቤታ ከገላግል እንተፍትን ብጥይት ተወቒዑ ሞይቱ፡፡
በቲ ዝተፈጸማ መውቃዕቲ ትሸዓተ ኣስናና ከም ዝሰኣነት እትገልጽ ዘምዘም፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማን ኣብ እግራ እውን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጸሓን ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡
''ናብ ገዛ ክኣቱ ሓቲቶምኒ፤ ኣትየ፡፡ ነቲ ገዛ ዓጽዮምዎ፡፡ እቲ ሓደ ስነይ ምስ ወቐዐኒ ሽዑ ንሽዑ ረጊፉ፡፡ በቲ ሓደ ገጽ ደጊሙ ወቒዑኒ፤ ንሱ እውን ረጊፋ፡፡ ኣፈይ ደም ተመሊኡ፡፡ ክደፍረኒ እንተፍትን ተቓሊሰዮ፤ ብሽቶል ኢደይ ወጊኡኒ፡፡ ድሕሪኡ ክዳነይ ቀዳዲዱ ደፊሩኒ'' ትብል፡፡
ዘምዘም እቲ ዝተፈጸማ ጾታዊ ዓመጽ ክትዝክሮ ዝገደደ ከም ዘሕምማ ትዛረብ፡፡
''ዝተዓመጽኩ ምዃነይ የሕመኒ፤ ኣብ ቅድሚ ጓለይ ምዃኑ ድማ ብፍጹም ከይርሰዖ ይገብረኒ'' እትብል ድማ ጓል 25 ዓመት ሜላት ኣበራ እያ፡፡
ሜላት እውን ከም ፋቲማ ናብ ኮምቦልቻ መጺኣ ኣብ ስራሕቲ ምትእንጋድ ዝተዋፈረት እያ፡፡
ኩልሻብ ካብ እገራ ዘይትፍለ ኮተተ ጓላ ኣላታ፡፡ ሜላትን ፋቲማን ኣብ ሓደ ሆቴል እየን ዝሰርሓ፡፡
ሓደ መዓልቲ ናብቲ እተሰርሐሉ ሆቴል ገለ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ መጺኦም፡ ቢራ ምስታይ ጀሚሮም ትብል፡፡
ቢራ ምስ ተወደአ ሓቢራቶም ክትከይድ ከምዝነገሩዋ እትገልጽ ሜላት ''እምቢ ምስበልኩ እቲ ሓደ ብረት ዓሚሩ ክቐትለኪ እየ ኢሉኒ'' ትብል፡፡
''ንጓለይ ክብል ብህይወት ክጸንሕ ከም ዘለኒ ወሲነ፡ ድላዮም ገይሮምኒ'' ብምባል ነቲ ዘጋጠማ ስቅያት ትዝክር፡፡
ንሳ ኣብቲ ጓላ ዝደቀሰትሉ ዓራት ከም ዝዓመጸት እያ እትገልጽ፡፡
''ክልቲኦም እናተባረዩ እንተሳቕዩኒ በኽየ፤ሽዑ ጓለይ ተሲኣ'' እትብል ሜላት ''ሸዑ ብጉጅለ እንትደፍሩኒ ጓለይ ርእያዶ ትኸውን ዝብል'' ዕረፍቲ ከምዝኸላኣ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡
ኮይኑ ግና ''ርእያትኒ እንተትኾን ዛጊት ምሓተተትኒ ነይራ'' ኢላ ትጸናናዕ፡፡
ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ ኮምቦልቻ ተቖጻጺሩ፡፡
ሲስተር ዲያና ከም ሜላትን ፋቲማን ንዝበላ ጉድኣት ዝበጸሐን ደቂ ኣንስትዮ ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ክህቡ ኣብ ኮምቦልቻ ካብ ዝተመደቡ ክሊኒካል ሳይኮሎጂስታት ሓንቲ እያ፡፡
ንሳ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ 35 ደቂ ኣንስትዮ ብሓይልታት ትግራይ ከም ዝተደፈራ ትገልጽ፡፡
ኣብ ቅድሚ በዓል ቤተን ዝተደፈራ፣ ህጸናትን ጎራዙን ካብተን ናብ ሕክምና ዝመጻ ከም ዝኾና ዲያና ትዛረብ፡፡
ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸማ ጓል 16 ዓመት ጎርዞ ከምዝረኸበት እትገልጽ ዲያና፡ ከይግለላ ፈሪሐን ሪፖርት ዘይገበራ ክህልዋ ከም ዝኽእላ ትግምት፡፡
ፋቲማን ሜላትን ኣገልግሎት ሕክምና ዝረኸባ ኮይነን፡ ካብ ጥንሲ፣ ኤችኣይቪን ብጾታዊ ርክብ ዝሓላለፉ ሕማማትን ነጻ እየን፡፡
ብተመሳሳሊ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋግኡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ክልል ትግራይ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከቡዎም ሰፋሕቲ ገበናት ከም ዝፈጸሙ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







