ደቡብ ሱዳን፡ ቁጽሪ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ደቂኣንስትዮ ሰሜናዊ ዞባ ይውስኽ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትታትን ከም ዝተፈጸመ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ማሕበር ግብረ-ሰናይ ሓቢሩ።
ሓንቲ ኣብ ከተማ በኒቱ እትሰርሕ መሕረሲት ከም ዝበለቶ፡ ኣብተን ዝሓለፋ 10 መዓልታት 125 ግዳያት ናብቲ ትሰርሓሉ ክሊኒክ ከም ዝመጻን፡ እዚ ድማ ልዕሊ'ቲ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዞባ ኣብቲ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ዘጋጠመ ምዃኑ'ዩ።
ካብተን ግዳያት፡ ትሕቲ 10 ዓመት ዚዕድሚአን፡ ልዕሊ 65 ዝኾና ኣዴታትን ነፍሰጾራትን ይርከበአን።
እታ ሃገር ናጽነታ ካብ እትረክብ ኣብ ዝነበራ ሓጺር ዕድመ ብኲናት ሓድሕድ ክትሕመስ'ያ ጸኒሓ። በኒቱ ድማ ሓንቲ ካብተን በቲ ግጭት ኣዝየን ዝተሃስያ ከባቢታት'ያ።
ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 እያ ናጽነታ ረኺባ። እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ውግእ ብምብርዑ፡ 4 ሚልዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም።
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ዝተበጽሐ ስልጣን ናይ ምምቕራሕ ስምምዕ መሰረት ተጻብኦታት ኣቋሪጹ ይርከብ።
ኣብታ ብኲናት ዝባደመት ኣውራጃ ዩኒቲ ዝረአ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ መሕረሲት ሩት ኦከሎ ትዛረብ።
"ኣብዘን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝሰራሕኩልን ልዕሊ 3 ዓመታት፡ ከምዚ ዓይነት ቅጽበታዊ ምውሳኽ ናይተን ሕክምናዊ ኣልያ ክረኽባ ናብቲ ትካልና ዝመጻ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ርእየ ኣይፈልጥን'የ" ኢላ።
ምውሳኽ ቁጽሪ ግዳያት እቲ ናብ ማእከላት መዐደሊ መግቢ ንምምጻእ ዝንቀሳቐስ ህዝቢ ኣብ ዝውስኸሉ ዘሎ እዋን ዘጋጥም ዘሎ'ዩ።
እተን ናብቲ ማእከል ጥዕና ናይቲ ማሕበር ዝመጻ ደቂንስትዮ ብእኩብ እኳ ክመጻ ጀሚረን እንተ ሃለዋ፡ እቶም ነቲ መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ሰባት ንባዕሎም ኣብ ዓበይቲ ጉጅለታት ተጠርኒፎም የጥቅዕወን ኣለዉ።
እቲ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ዓመጽቲ ብመዓኮር ብረትን ኣባትርን ከም ዝገርፍወንን ዝሃርምውን፡ ከምኡውን ዘለወን ኩሉ ከም ዝዘርፍወን እውን እቲ ማሕበር ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







