ደቡብ ሱዳን፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዘማረረት ሃገር

ካዉንስል ስደተኛታት ኖርወይ (NRC)፡ ንሳልሳይ ግዜ፡ ደቡብ ሱዳን ሓገዝ ንምብጻሕ ኣዝያ እተጸግም ሃገር ክብል ሰሪዑዋ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ሞንጎ ዝተፈጸሙ 158 ሓደገኛ ፍጻሜታት ኣንጻር ወሃብቲ ሓገዝ እቲ ሲሶ ካብቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተመዝገበ'ዩ።
ወርሒ ታሕሳስ 2013 ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓድሕዳዊ ኵናት ካብ ዝዉላዕ ናብዚ፡ 100 ዝጽግዑ ሰራሕተኛታት ሓገዝ ህይወቶም ስኢኖም'ዮም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ 24 ሰራሕተኛታት ብጥይት ተሃሪሞም ሞይቶምን ቖሲሎምን።
ሰራሕተኛታት ሱዳን፡ እቶም መጥቃዕታት ኣብ ምክልኻልን ኣብ ኣጸገምትን ሓደገኛታትን ከባቢታት ሓገዝ ንምብጻሕን ይሰርሑ ነይሮም ኢሉ እቲ ካዉንስል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ሶርያ፣ ኣፍጋንን ማእኸላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃን፡ ናይጀሪያን ሶማሊያን ኣስዒበን ሓደገኛ ሃገራት ተባሂለን ተሰሪዐን ኣለዋ።
ዋና ጸሓፊ ካዉንስል ስደተኛታት ኖርወይ ጃን ኤግላንድ፡ እቲ ካዉንስል ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ተነሓናሒኡ ሪክ መቻርን ካብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተኩሲ "ብሩህ ተስፋ" ገይሩ ኣሎ ኢሉ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







