ደቡብ ሱዳን ንመኪና ኣባላት ባይቶ 16 ሚሊዮን ዶላር ኣጥፊኣ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ኣብ ኡጋንዳ 7 ሓምለ 2018

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ፓርላማ ደቡብ ሱዳን ግዘ መሪሕነት ኪር ክሳብ 2021 ክጸንሕ ወሲኖም

መንግስቲ ኣባላት ፓርላማ ደቡብ ሱዳን ነፍሲ ወከፎም መኪና ንክዕድጉ ዘለቅሖም 40 ሽሕ ዶላር ህዝባዊ ቁጠዐ የልዕል ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ናይቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ 16 ሚሊዮን ዶላር ወጻኢ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ምልሽ ኣባላት ፓርላማ "ሞተር ብሽክለታ" ክጥቀሙ ክንጽበዮም የብልናን ኢሉ።

እንተኾነ ግና ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር፡ ገደብ ግዘ መሪሕነት ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ክሳብ 2021 ክናዋሕ ንዝሃቡዎ ድምጺ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዝቐረበሎም ህያብ እዩ ብዝብል ተቓዉሞታት ይገጥሞ ኣሎ።

መንግስቲ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ሕድሕድ፡ ምርጫ ክካየድ ኣይከኣልን ኢሉ'ዩ።

ኣብ 2013 ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ኪርን ሪክ መቻርን ዝተልዓለ ግጭት ዘስዓቦ ቅልዉላዉ ምግቢ፡ ልዕሊ ፍርቂ በዝሒ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ክጠሚ ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለጽ።

ብሰንኪ እዚ ጎንፂ፡ 3.8 ሚሊዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ከምዝተመዛበለ ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም የመልክት።

ነበርቲ ከተማ ጁባ ክንድዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ፡ ኣብ ክንዲ ንፕሮጀክታት ልምዓት፡ ንመካይን ምውዓሉ ኮኒኖም።

"ኣርብዓ ሽሕ ዶላር ንሓደ ሰብ ብጣዕሚ ብዙሕ'ዩ። እንታይ ዓይነት መጓዓዝያ እዩ ክንድዚ ዝውድእ?" ኢላ ሓንቲ ሰበይቲ ንቢቢሲ።

"መንግስቲ፡ ኩነታት እቲ ህዝቢ ኣየሕስቦን። እዚ ግዕዝይና ድዩ? ኣባላት ፓርላማ ኣፎም ክሕዙ ድዩ ተዋሂቡዎም?" ክትብል ድማ ትሓትት።

Presentational grey line

ቅልዉላዉ ደቡብ ሱዳን

ደቡብ ሱዳናዉያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ ሸዉዓተ ሚሊዮን ደቡብ ሱዳናዉያን ኣብ ሓገዝ መግቢ ጽግዕተኛ'ዮም
  • ደቡብ ሱዳን ናብ ዓለም ካብ ዝተጸምበራ ሓደሽቲ ሃገራት ሓንቲ እያ
  • ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትረክብ ናብዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት'ዩ
  • ኣብ 2013 ዝተልዓለ ግጭት ሓደ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ኣስዒቡ
  • ካብቲ ዘለዋ 12.2 ሚሊዮን ህዝቢ፡ እቲ 7.1 ሚሊዮን "ንኸቢድ ጸገም ዉሕስና መግቢ" ኣቃሊዑ
  • ኣስታት 2 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ዉሽጢ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ግዚያዊ መዕቖቢ ክነብሩ ኣገዲዱ
  • ካልኦት 1.8 ሚሊዮን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ይርከቡ
  • ኣብ 2015 መረጻ ክካየድ ተሓሲቡ ነይሩ
Presentational grey line

ካልኦት ነበርቲ ድማ፡ ገለ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መሃያ ከምዘይተኸፈሎም ብምግላጽ፡ መንግስቲ ወርሓዊ መሃያ ሰራሕተኛታቱ ክኸፍል ይግባእ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቴኒ ዌክ ኣቴኒ፡ እቲ ገንዘብ ንመኪና ተባሂሉ ተመዲቡ ከምዝነበረን መሪሕነት ደቡብ ሱዳን መጠፋፍኢ ገንዘብ እዩ ምባል "ትርጉም የብሉን" ኢሉ።

ኣባላት እቲ ባይቶ፡ ነቲ ልቓሕ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ከምዝመልስዎን፡ ኣብ 2005ን 2009 ኣባላት ፓርላማ መኪና ክዕድጉ ካብ ዝተዉሃበ ልቓሕ ከምዘይፍለን ተዛሪቡ።