ኣብ እግሪ ተኽሊ ስርሑ ዘሳልጥ ደቡብ ሱዳናዊ በዓል ስልጣን

ምንጪ ስእሊ, RADIO TAMAZUJI
ሚንስትር ሓበሬታ እታ ግዝኣት ጆን ማዶል፡ ሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ ፅላል ተኽሊ ይሰርሑ ምህላዎም ብምግላፅ፡ "ህንፃ ቤት ፅሕፈት የብልናን፤ ሕዚ ግን እናሃነፅና ኢና" ክብል ንሬድዩ 'ኣይ' ገሊፁ።
ሚንስትራት ግዝኣት ጎክ ብሰንኪ ሕፅረት ቀረብ መኻይን "ናብ ስርሖም ብእግሮም ይጓዓዙ" ከምዘለው ሓቢሩ።
ኣማሓዳሪ ደቡብ ሱዳናዊት ግዝኣት ጎክ፡ ማድሃንግ ማጆክ ሚን "ዝናብ ኣብ ዝመፀሉ እዋን እቲ ኩነታት ዝኸበደ ይኸውን" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ኣማሓዳሪ ካብ ፕላስቲክ ኣብ ዝተሰርሐ ወንበር ኣብ ደገ ኮፍ ኢሉ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ምስተዘርግሐ'ዩ እቲ ዛዕባ ኣዘራራቢ ኮይኑ።
ግዝኣት ጎክ ኣብ 2015 ዝተጣየሸት ኮይና፡ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝመርሕዎ መንግስቲ ንግዝኣታት ምስ መቓቐለ፡ ሰፊሕ ሕፅረት ናውትን በጀትን ክረኣይ ከምዝጀመረ ይዝረብ።
ጆን ማዶል ከምዝብልዎ፡ እቲ ማሕበረሰብ ንህንፀት ሓድሽ ቤት ፅሕፈት ገንዘብ እናዋፅአ'ዩ።
ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክዛዘም ድማ ትፅቢት ኣሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







