ሓይልታት ጸጥታ ምብራቕ ሱዳን ከባቢ ከሰላ፡ 98 ኤርትራውያን ናጻ ኣውጺኦም።

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF SHAZLY
እቲ በዓል ስልጣን ኣብቲ ስርሒት ኣብ ብዝተገብረ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ዝተጎድአ ወገን ከምዘይነበረ ይኹን እምበር ካብቶም ጨወይቲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምእተታሕዙን ወሲኹ ገሊጹ።
ወኪል ላዕለዋይ ስደተኛታት ሱዳን ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ርክባት መሓመድ ኢል ፋይዝ ኢል ናይም ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቶም 98 ሰባት፡ ግዳያት ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ድዮም ወይስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶባት ዝሰግሩ ምንባሮም ኣይተረጋገጸን።
ኢልናይም፡ ኩነታት ጥዕና እቶም 57 ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓሙሽተ ሕጻናት ዝሓዛ 41 ደቀንስትዮን ንግዚኡ ብዝርዝር ክፍለጥ እኳ እንተዘይከኣለ፡ ካብቲ ዘለዉዎ ቦታ ናብ መቐበሊ ስደተኛታት ወዲ ሸሪፈይ ምስ መጽኡ ሃለዋቶም ብግቡእ ክጻረ ምኻኑ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር ብዛዕባ ድሕነቶም ብዝምልከት ኣብ ትሕቲ ሓልዮት መንግሰቲ ሱዳን ብምህላዎ ምንም ዘሰክፍ ነገር ከምዘየለ፡ ኣብቲ ዝብጻሕ ምስበጽሑ ከኣ፡ ጉዳዮም ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር)ን ኪሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ክከታተሎ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF SHAZLY
ሰበስልጣናት ዞባ ከሰላ፡ ኣብ ዓመተ 2018፡ ኣብቲ ኣከባቢ ንዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ጭውያን ደቂ ሰባት ደው ከብሉዎ መደብ ከምዘለዎ ሓቢሮም። መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዶባቱ ንዝግበር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝግባእ ኣይተቓለሶን ብዝብል ብመንግስቲ ኣመሪካ ክወቀስ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2017፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ጂሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሓያሎ ኤርትራውያን ብምድሓኑ ክሙጎስ፡ በኣንጻሩ ከኣ ኣማኢት ኤርትራውያን በስገዳድ ናብ ኤርትራ ብምጥራዙ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክንቀፍን ክውቀስን ጸኒሑ እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







