ንኣመሪካ ዘቖጥዐ ታሪኻዊ ዑደት ፕረዚደንት ሶርያ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

ዓሳድ ምስ ወራስ ዓራት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናህያን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፕረዚደንት ሶርያ ሓድሕድ ኲናት አታ ሃገር ካብ ዝለዓል፡ ድሕሪ 11 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ዓረባዊት ሃገር ምብጻሕ ኣካይዱ።

ብዓርቢ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምብጻሕ ዘካየደ በሽር ኣልዓሳድ፡ ምስ ሶርያ ዘለዎም ርክብ ክመሓየሽ ምስ ዝደልዩ ብዙሓት ጸቕጢ ፈጠርትን ኣዘራረብትን ኣመሓደርቲ ተራኺቡ።

እቲ ምብጻሕ እታ ንዓመታት ንመራሒ ሶርያ ገጽ ከሊኣቶ ዝጸንሐት ኢማራት ዓረብ ዝምድና ክትምስርት ምድላያ ዘመላኽት እዩ።

ኣመሪካ ግና እቲ ምብጻሕ "ኣዝዩ ዘሕርቕ" ክትብል ተቓዊማቶ።

ካብቶም በሽር ኣልዓሳድ ዝረኸቦም ሰባት፡ እቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ሽሙ ምስ ብዙሕ ነገራት ተኣሳሲሩ ክለዓል ዝጸንሐ ቢልየነር ኣመሓዳሪ ዱባይ ሸኽ መሓመድ ኣል ማክቱም ሓደ እዩ።

ካብ 25 ደቂ ሸኽ ኣል ማክቱም ፡ ላቲፋ ዝተባህለት ጓሉ ኣብ 2018 ንህይወታ ብምስጋእ ካብታ ሃገር ንምህዳም እንትትፍትን ተታሒዛ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘላ ገሊጻ ነይራ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ምስታ ኣብ 2019 ዝሃደመት ሰበይቱ ልእልቲ ሃያ ናይ 600 ሚልዮን ዶላር ናይ ፍትሕ ውጥጥ መዕለቢ ረኺቡ።

በሽር ኣል ዓሳድ ናብ ርእሰ ከተማ ኢማራት ዓረብ ዝኾነት ኣቡዳቢ ተጓዒዙ ምስ ወራስ ዓራት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል-ናህያን ክምዝተዘራረበ እውን ሃገራዊት ቴሌቪዥን ኢማራቲ ገሊጻ።

ኢማራቲ" ንሱ ሶርያ ዓንዲ ጸጥታ ዓረብ ከምዝኾነት ክገልጽ እንከሎ፡ ኢማራት ዓረብ ድማ ምትሕግጋዝ ንምትጥንኻር ድልየት ከምዘለዋ ገሊጻ" ክትብል ጸብጺባ።

እቶም መራሕቲ ኢማራት ዓረብ ንሶርያ ክትገብሮ ኣብ እትኽእል ፖለቲካውን ሰብኣውን ሓገዝን ኣብ ምጥንኻር ቁጠባዊ ንግዲ ክልቲአን ሃገራትን ከምዝዘተዩ ተገሊጹ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዓሳድ ምስ ወናኒ እንግሊዛዊት ክለብ ማንችስተር ሲቲ ሸኽ መንሱር ቢን ዛይድ ኣል ናህያን እውን ፎቶ ተሳኢሉ።

ፕረዚደንት ዓሳድ ምስ ወናኒ እንግሊዛዊት ክለብ ማንችስተር ሲቲ ሸኽ መንሱር ቢን ዛይድ ኣል ናህያን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዓሳድ ምስ ወናኒ እንግሊዛዊት ክለብ ማንችስተር ሲቲ ሸኽ መንሱር ቢን ዛይድ ኣል ናህያን

ድሕሪ እቲ ኣብ 2011 ተወሊዑ ህይወት 350 ሽሕ ዜጋታት ከምዝበለዐ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተገለጸ ሓድሕድ ኲናት፡ ፕረዚደንት ዓሳድ ውሑድ ዓለም ለኻዊ ጉዕዞታት እዩ ገይሩ።

ዛጊድ ናብተን ወታሃደራዊ ሓገዝ ዝገብራሉ ሃገራት ሩስያን ኢራንን እዩ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ኣመሪካ ብወገና ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዓሳድ ብምቕባላ"ኣዝያ ከምዝሓረቐትን ከምዝተሻቐለትን" ገሊጻ ኣላ።

ንሓድሕድ ኲናት ሶርያ ዝፈትሕ ስጉምቲ ክሳብ ዝውሰድ ምስ ኣል ዓሳድ ዝግበር ምምሕያሽ ርክብ፡ ኣመሪካ ኣይትቕበሎን።

"ምስ ዓሳድ ርክብ ክገብራ ዝደልያ ሃገራት ኣቐዲመን እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሶርያውያን ዝፈጸሞ ግፍዒ ክምዝነኦ ንጽውዕ" ኢሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይዝ።

ሓድሕድ ኲናት ሶርያ ምስተወለዐ፡ ኢማራት ዓረብ እውን ልክዕ ከምካልኦት ሃገራት ምስታ ሃገር ዝነበራ ርክብ በቲኻ፡ ንስርዓት ዓሳድ ንምእላይ ንዕጡቓት ትሕግዝ እያ ነይራ።

ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ግን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምምሕያሽ ጀሚሩ፤ ተቓውሞ ኣመሪካ ንጎኒ ብምግዳፍ ድማ ንሶርያ ናብ ሃገራት ዓረብ ንምሕዋስ ትጽዕር ኣላ።

ኣብ 2018 ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶርያ ደማስቆ ኤምባሲኣ ደጊማ ዝኸፈተት ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር እውን ዲፕሎማሰኛታት ናብታ ሃገር ልኢኻ ነይራ።