ኣፍቃሪኣ ብዝፈጸሞ ዘስካሕኽሕ መጥቃዕቲ ዝሞተት ሰብለ ንጉሴ፡ ስድራኣ እንታይ ይብሉ?

ሰብለ ንጉሤ

ምንጪ ስእሊ, Yaecob Niguse

ሰብለ ንጉሴ ንወለዳ ራብዓይቲ ውሉዶም ከምዝነበረት ቢቢሲ ዘዘራረቦ ንኢሽተይ ሓዋ ያእቆብ ይገልጽ።

08 መስከረም 1976 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዝተወለደት ሰብለ፤ ብቢዝነስ ኣድሚንስትሬሽን ተመሪቓ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ተቖጺራ ክትሰርሕ ጸኒሓ።

ክሳብ እታ ህይወታ ዝሓለፈትላ እዋን ድማ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ባንክ ብሓላፍነት ክፍሊ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ ትሰርሕ ከምዝነበረት ሓዋ ይዛረብ።

ሰብለ ቀዳም 30 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም.ግ ለይቲ ሰዓት 9 ክሳብ 10 [03፡00 ክሳብ 04፡00] ኣብ ዝነበረ ጊዜ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊኣ ከምዝተፈጸመ ድማ ሓቢሩ።

ምስቲ ኣፍቃሪኣ ናብ ጎንጺ ዝኣተዉሉ ምኽንያት፡ ኣምስዩ ብምምጻእ “ማዕጾ ኣይከፈትክለይን” ዝብል ከምዝነበረ ዝገልጽ ያእቆብ፡ ፈለማ መፍትሕ ደርብዩ ገጻ ከምዝወቕዓ ብድሕሪኡ ከኣ ብበሊሕ ነገር ከምዝወግኣን ሳኒታይዘር ናብ ኣካላታ ኣፍሲሱ ብሓዊ ከምዘቃጸላን ይዛረብ።

ሰብለ ብድሕሪ’ቲ ዝበጽሓ መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታል ክትትል ሕክምና እናተገበረላ ከሎ፡ ንሰለስተ ኣባላት ቤተሰባን ንፖሊስን ነዚ ቃላ ከምዝሃበት ቢቢሲ ካብ ሓዋ ዝረኸቡ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ሰብሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣማኻሪት ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ትንሳኤ ታደለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ሰብለ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 40 ሚኢታዊት ነብሳ ከምዝነደደ ካብ ሆስፒታልን ቤተሰባን መረዳእታ ረኺብና ኢላ።

ሰብለ ንጉሰ

ምንጪ ስእሊ, Yaecob Niguse

ኣብ ኣካላታ መውቃዕትን መውጋእትን ከምዝተፈጸመ’ውን ገሊጻ።

ሰብለ ናብ ሆስፒታል ምስኣተወት ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ውኒኣ ስሒታ እያ ነይራ።

ጸኒሓ’ውን እቲ ሕማም እናሓየላ ብምኻዱ ክትዛረብ ናብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ከምዝበጽሐት ያእቆብ ተዛሪቡ።

ሰብለን ኣፍቃሪኣን ንኽልተ ወርሕን ፈረቓን ጥራሕ ኣብቲ ገዛ ብሓባር ከምዝጸንሑ ብምግላጽ ድማ፡ ንሳ ግን ኣብቲ ገዛ ንበይና እምበር ሓቢርዋ ዝነብር ሰብ ከምዘሎ ንቤተሰባ ተዛሪባ ከምዘይትፈልጥ ኣረዲኡ።

ነዚ ክትገብር ዝኸኣለትሉ ምኽንያት “ነገራት ቦትኦም ምስሓዙ’እምበር ኣቐዲማ ክትዛረብ ዘይትደልይ ዓይነት ባህሪኣ ዘንቀሎ ክኸውን ይኽእል’ዩ" ኢሉ።

ህይወታ ካብ ዝሓለፍ ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢሉ፡ ሰብለ ኣፍቃሪኣ ከምዝወቕዓ ነጊራታ ምንባራ ሓንቲ መሓዝኣ ምዝራባ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝፍጽም መጥቃዕቲ ብዕድመ፣ ቁጠባን ደረጃ ትምህርትን ከምዘይድረትን ኣብ ዝኾነት ትኹን ጓልኣንስተይቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ምግንዛብ ከምዘድልይ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓፍቱ ዝበጽሐ መበገሲ ብምግባር ይምዕድ።

ሰብለ ንወለዳ እትጥውርን ኣብ ገዝኣ ብመርኣያነት እትውሰድን ብርትዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ከምዝነበረት ኣዘኻኺሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ኣብዚ እዋን ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዩ ምጽራይ ይግበረሉ ከምዘሎ ኣብ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ሰብሞያ ሕጊ ኣማኻሪት ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ትንሳኤ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ኣባላት እታ ማሕበር ንዝኽሪ እታ ብሓዊ ተቓጺላ ህይወታ ክትሓልፍ ዝተገበረት ሰብለ ንጉሴ ሽምዓ ናይ ምብራህ ስነስርዓት ኣካይደን ነይረን።

ሽምዓ ናይ ምብራህ ዝኽሪ ምድላው ዘድልየሉ ምኽንያት፡ እቲ ጉዳይ ቆላሕታ ክረክብ ንምግባርን “ንቤተሰባ ኣብ ጎኖም ደው ከምእንብል ንምርግጋጽን እዩ” ክትብል ትንሳኤ ኣብሪሃ።

ኣብዚ እዋን ማሕበረን ብዘይካ ትግራይ ኣብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ኣብያተ ጽሕፈት ብምኽፋት ትሰርሕ ምህላዋ ብምዝኽኻር ድማ ዘቤታዊ መጥቃዕቲ ዝፍጸመን ደቂኣንስትዮ ቁጽረን እናወሰኸ ምምጽኡ ሓቢራ።

ማሕበረሰብ፣ ትካላት ሃይማኖትን ሕግን ኣብ ህንጸት ስነልቦና ቆልዑ ግቡኦም ክፍጽሙ ከምኡ ድማ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምስኣተዉ ግቡእ ቅጽዓት ክወሃቦም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲባ’ላ።

መግለጺ ቪድዮ, "ዕጣን እትኣቱ ሰበይቲ በሃጊኣ ብዙሕ'ዩ"