ሰሜን ኮርያ፡ ብሚሳይል ተሳኢሎም ዝበለቶም ምስሊ ዓለም ዘርጊሓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰሜን ኮርያ ካብ 2017 ጀሚራ ካብ ዝወንጨፈቶ ሚሳይላት ብሓንቲ ተሳኢሉ ዝበለቶ ምስሊ ዓለምና ካብ ሰማይ ዘርኢ ኣሳእል ዘርጊሓ።
እቲ ኣብ መደበር ተለቪዥን እታ ሃገር ዝተዘርገሐ መስሊ ሓውሲ ደሴት ኮርያን ከባቢኡን ዘርኢ እዩ።
ሰሜን ኮርያ ህዋሶንግ-12 ዝሰመየቶ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳኤል ፈተነ ከምዘካየደት ክትግልጽ እንከላ፡ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ብወገነን እቲ ሚሳኤል ቅድሚ ኣብ ጥቃ ጃፓን ኣብ ዝርከብ ማያዊ ክፋል ምዕላቡ ንሰማይ 2000 ኪሎሜተር ከምዝተወንጨፈ ገሊጸን።
በዚ መሰረት እቲ ሰሜን ኮርያ ተማዕብሎን ፈተነ ተካይደሉን ዘላ ሚሳኤላት ካብ ሰሜን ኮርያ ተበጊሱ ናብ ኣመሪካ ክበጽሕ ከምዝኽእል እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ሰሜን ኮርያ፡ እቲ ኣሳእል ኣብ ጫፍ ኣካል ናይቲ ሚሳኤል ብዝተገጠመ ካሜራ ዝተሰኣለ ምዃኑ'ያ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ዓመት እዚ ንሻውዓይ ግዜ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳኤል ሃገራት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ኮኒነኦ ኣለዋ።
ጃፓንን ደቡብ ኮርያን እቲ ሰሜን ኮርያ ዝወንጨፈቶ ሚሳኤል ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ 800 ኪሎሜተር ክጉዓዝ ከምዝኽኣለ ገሊጸን።
ሕቡራት ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ዝኾነ ዓይነት ሚሳኤል ከይትውንጭፍ'ኳ እገዳ እንተኣንበረላ እታ ሃገር ግን በቲ እገዳ ኣይተገትኣትን ዘላ።
እታ ሃገር ኣብዛ ሓንቲ ወርሒ ጥራይ ተላዒላታ ዘላ ዓመተ 2022፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሸውዓት ፈተነታት ሚሳኤል ኣኻይዳ ኣላ።
ተንተንቲ ፖለቲካ ሓውሲ ደሴት ኮርያን ከባቢኡን ፕረዚደንት ኪም ጆንግ ኡን ተደጋጋሚ ፈተነታት ሚሳኤል ዝገብርሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ዘተ ንኽምለስ ንምግዳድ ዝዓለመ ከምዝኾነ'ዮም ዝገልጹ።
ብዘይካ እዚ ቀንዲ መነሓንሕቲ ሰሜን ኮርያ ዝኾነት ደቡብ ኮርያ ኣብ ቀረባ ግዜ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ስለተካይድ፤ ነቲ ብሕጂ ዝምረጽ ፕረዚደንት ናይ ራዕዲ መልእኽቲ ንምልኣኽ ክኸውን ከምዝኽእል ዝግምቱ'ውን ኣለዉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



