ስደተኛታት ከምዝኾኑ ዝግለጹ ዝጸዓነት ጀልባ ብምጥሓላ ደሃይ 39 ሰባት ተሳኢኑ

ገፈፍቲ ዓሳ ብሰሉስ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዝተገምጠለት ጃልባ ሓዂሩ ረኺቦምዎ

ምንጪ ስእሊ, US Coast Guard

መግለጺ ስእሊ, ገፈፍቲ ዓሳ ብሰሉስ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ዝተገምጠለት ጃልባ ሓዂሩ ረኺቦምዎ

ሰራሕተኛታት ሓለዋ ገምገም ባሕሪ ኣሜሪካ፡ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምሸት ኣብ ወሰን ፍሎሪዳ ዝጠሓለት ጀልባ ዝነበሩን ሃለዋቶም ዝተስኣነን 39 ሰባት ይእልሹ ምህላዎም ተገሊጹ።

ሰብመዚ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ትማሊ ክፈልጡ ዝኸኣሉ፡ ገፈፍቲ-ዓሳ ብሰሉስ: ሓደ ሰብኣይ ምሉእ ኣካላ ኣብ ዘይጠሓለት ጀልባ ኮፍ ኢሉ ካብ ነዊሕ ርሕቐት ከምዝረኣዩ ሓበሬታ ብምሃቦም’ዩ።

እቲ ብህይወት ዝተረኸበ ሰብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ሰባት ካብ ሃገረ ባሃማስ ብቐዳም ከምዝተበገሱን ኣብ ሞንጎ ግን ከቢድ ኩነታት ኣየር ከምዘጋጠሞምን ኣረዲኡ።

ሰበስልጣን ኣሜሪካ እታ ጀልባ ኣካል “ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት” ክትኸውን ከምእትኽእል ሓቢሮም።

ካብቲ ሓደጋ ዝተረፈን መንነቱ ዘይተገለጸን ውልቀሰብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኩሎም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ሰባት መድሕን ህወይት ቬስት (ከንሳፍፎም ዝኽእል መሐንበሲ) ከምዘይገበሩ ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን እቲ ኣለሻ ብመራኽብን ነፈርትን ተሓጊዙ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ’ሎ። ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ድማ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይተረኸበን ነይሩ።

እቶም ሰባት ካብ ዝተበገሱላ ኣብ ጫፍ ምዕራባዊ ክፋል ባሃማስ ካብ እትርከብ ግዝኣት ቢሚኒ ጀሚሩ ክሳብ እታ ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ፍሎሪዳ እትርከብ ከተማ ፎርት ፒርስ (ኣስታት 218 ኪሎሜትር) ኣብ ዝሸፈነ ስፍሓት’ዩ እቲ ኣለሻ ዝካየድ ዘሎ።

ብዓርቢ ድማ ልዕሊ ዓቕማ 88 ዜጋታት ሄይቲ ዝተጽዓነት ጀልባ ኣብ ኣንፈት ምዕራብ ባሃማስ ከምዝተረኸበት ሓበሬታ ሓላዋ ገምገም የመልክት።