ስደት፡ መግትኢ ዘይተረኸቦ ማእሰርትን ስቅያትን ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, HRW
ስዑድያ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተሰዲዶም ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝዋፈሩላ ሃገር እያ።
ናብታ ብሃብቲ ነዳዲ ዝበልጸገት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ሃገር ዝተጉዓዙ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሓሸ ኣታዊታት ብምርካብ ህይወቶም ለዊጦም እዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ግና ናብ ስዑድያ ዘምርሑ ኢትዮጵያውያን ዝዛረብዎ ብዛዕባ ሰሪሕካ ህይወትካ ምቕያር ዘይኮነ ብዛዕባ ዝወርዶም ዘሎ ግፍዕን መከራን ኮይኑ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ናብ ማእሰርቲ ተዳጒኖም እዮም።
ብድሕሪ'ዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ተገይሩ እዩ።
መዓልታዊ ብርክት ዝበለ በረራታት ብምክያድ ነቶም ዜጋታት ናይ ምግዓዝ መስርሕ ብቐጻሊ እኳ እንተዘይነበረ ንኣዋርሕ ቀጺሉ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት እዚ ንኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ናይ ምግዓዝ ምንቅስቓሳት ዝሕል ዝበለ ይመስል።
በዚ ድማ ኣብ ስዑድያ ዝርከቡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ጸገም ከምዘለው ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለው።
ቢቢሲ ኣብ ማእሰርቲ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንምዝራብ ዝገበሮ ጻዕሪ እኳ እንተዘይተዓወተ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብምርካብ ብዛዕባ ኩነታቶም ሓቲቱ ኣሎ።
መሓመድ* ናብ ስዑድያ ካብ ዝኣቱ ዓመታት ተቖጺሮም ኣለው።
ኣብ ስዑዲ ኢትዮጵያውያን ንምንታይ ይእሰሩ ከምዘለው እዚ እዩ ክብሎ ዝኽእል ምላሽ የብሉን።
"ንምንታይ ኢትዮጵያውያን ፈሊኻ ከምዝእሰሩ ኣይንፈልጥን፤ ዘደንጹ እዩ። እቲ ጂኦ ፖለቲካ ክኸውን ይኽእል እዩ። [ኢትዮጵያውያን] ምእሳር ካብ ዝጅመር ሓይለ ገይሩ'ዩ። ንኹላትና ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ዝኾነ ጉዳይ እዩ" ይብል።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለው ሰባት ብዝሖም ልዑል እዩ።
ጸገሞም ክፍለጠሎም ከኣ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢታት መልእኽትታት ብብዝሒ የመሓላልፉ።
እቲ ማእሰርቲ "ሓድሽ ኣይኮነን" ዝብል መሓመድ "እቲ ሓድሽ ዝገብሮ ሰብ ይጉዳእ ምህላው እዩ" ክብል የረድእ።
ኢትዮጵያውያን ምቹእ ኣብ ዘይኮኑ ክፍልታት ከምዝእሰሩ'ውን ይጠቅስ።
"እቲ ተኣሲሮምሉ ዝርከቡ ክፍልታት ዝተጨናነቐ እዩ። ኣብ ሓደ ክፍሊ ብብዝሒ ስለዝእሰሩ ብሙቐትን ካልእን ነገራት ህይወቶም ክሳዕ ምስኣን ይበጽሑ ኣለው" ይብል።
ተቐማጢ ስዑዲ ዓረብ ሱሌማን'ውን* ካብ መንጎ'ቶም በዚ ሓሳብ ዝሰማምዑ እዩ።
ኢትዮጵያውያን ይጉድኡ ብምህላዎም ህዝቢ ዓለም፣ መራኸቢ ብዙሓንን ተሰማዕነት ዘለዎም ኣካላትን ድምጾም ከስምዑሎም ከምዝግባእ ይገልጽ።
"ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሖም እዮም። ኩሉ ሰብ ከም ዝርእዮ ዓብዩ ጸገም እዩ ዘሎ። ንመን ከም እንነግር ኣዝዩ ጨኒቑና ኣሎ። ህጻናት ይጉድኡ ኣለው። ደቂ ኣንስትዮ ይጉዳኣ ኣለዋ። ኣብ ቤትማእሰርቲ ይወልዳ ኣለዋ። ዝኽደንዎን ዝበለዕዎን የብሎምን" ብምባል ነቲ ኩነታት የረድእ።
ንተመሳሳሊ ጸገማት ዝተቓልዑ ህጻናትን ምስ ደቀን ኣብ ማእሰርቲ ዝሳቐያ ኣዴታትን ብዙሓት ምዃነን ይግለጽ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወለዳ፣ ድሕሪ ምውላደን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዝተኣሰራ ምህላወን ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ኢትዮጵያውያን፡ ሃገርን ህዝብን ጸገም ኣብ ዝገጠሞ እዋን ክድግፉን ከበራትዑን ንዝጸንሑ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ዝተወሃበ ኣተኩሮ ትሑት ምዃኑ ይዛረቡ።
"ኣነ ዝገርመኒ ኣብዚ [ስዑዲ] ዝተኣሰረ ሰብ ትኬት ዓዲጉ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝኽእል እዩ። ናብ ሃገሩ ኣትዩ'ውን ንመንግስቲ ዘጸግም ኣይመስለነን፤ ኩሉ ስድራ ዘለዎ እዩ። እዚ ዜጋ ብኸመይ'ዩ ተረሲዑ? ኣብ ስዑዲ ዝነብር ዜጋ ንምንታይ'ዩ ተረሲዑ?" ብምባል ኣብ ስዑዲ ዘለው ኢትዮጵያውያን ኪንዮ ስድራቤቶም ንግድብ ህዳሴን ካልእን ጉዳያት ከበርክቱ ከምዝጸንሑ መሓመድ ይዛረብ።
'ነዚ ብምርኣይ እዮም እቲ ትኹረት እኹል ኣይኮነን ዝብሉ'
ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑድያ ዝርኩ ኢትዮጵያውያን ካብ መንግስቶም ምላሽ ከምዝጽበዩ ዝዛረብ መሓመድ "ንመንግስቲ እዚ ሃገር ክንወቅስ ኣይንኽእልን ኢና። ክንወቅስ እንተኾይንና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ። ክሕግዙና ክንሓትት ዘሎና ንመንግስትና እዩ" ይብል።
ንሱ ቀጺሉ፡ "ነዚ ጉዳይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንምንታይ ሸለል ከምዝበሎ ንኹልና ሕቶ ኮይኑና ኣሎ። እዚ ኩሉ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ጉድኣት ይበጽሖ ከምዘሎ እናረኣየ ከመይ ጌሩ ክሳዕ ሕጂ መፍትሒ ከምዘይተረኸበሉ ክርድኣና ኣይከኣለን" ክብል ይሓትት።
እዚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዘይ ዝኾነ ጥፍኣት ኢትዮጵያዊ ብምኳኑ ጥራይ ተፈልዩ መጥቃዕቲ ክወርዶን ተፈልዩ ክከላበትን መንግስቲ ቅልጡፍ ምላሽ ዘይምሃቡ ዘተሓሳስብ እዩ ዝብል ሱሌማን "ብዙሕ ሰብ ይጉዳእ ኣሎ። ስለዚ ኩሉ ድምጺ ይኹነና" ይብል።
ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን እቲ ኩነታት ማእሰርቲ ኣሻቓሊ እኳ እንተኾነ ዝተዋሃቦ ትኹረት ትሑት እዩ ኪንዮ ምባል ነቶም ዜጋታት ብቕልጡፍ ምምላስ እንተዘይተኻኢሉ እቲ ሓደጋ መዓልታዊ ዝኸፍአ ከምዝኸውን የጠንቅቑ።
"መንግስቲ ኣብ ጸገም እኳ እንተሃለወ፡ ካልእ እንተተረፈ ሽማግለታት፣ ዓበይትን ህጻናትና ኣለው። ኣዴታት ኣለዋ፡ ነፍሰጾራት ኣለዋ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ጎልጎል እየን ዝወልዳ። ንህጻናትን ንደቂ ኣንስትዮን እኳ ቀዳምነት ተዋሂቡ ገለ እንተዝግበር እናበልና ኢና ኩላትና ነእውይ ዘሎና" ብምባል መሓመድ ጻውዒት የቕርብ።
ኣብዲ'ውን* ካልእ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብር ኢትዮጵያዊ እዩ።
መንግስቲ እታ ሃገር ልዑል ክትትል ስለዝገብር ብዙሕ ዝፈልጦ ሓበሬታታት ክህበና ከምዘይኽእል ነጊሩና።
ጎድኒ ጎድኒ እቲ ዘሎ ጸገማት፡ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ካልእ ጸገም ከምዘለዎም ይነግር።
"ትማሊ ኣብ ማእሰርቲ [ኢትዮጵያውያን] ብብሄር ተባኢሶም ነይሮም። 180 ዝኾኑ ኣብ ሓደ ክፍሊ ነይሮም። ንሳቶም ተባኢሶም ጸገም ኣጋጢሙ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝርከቡሉ ክፍሊ ክወጽኡ ዝሓቱ'ውን ነይሮም" ብምባል ነቲ ካልእ ጸገም የረድእ።
"ሎሚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ክኣትው እንከለው ኣብዚ ከኣ ህጻናት ልዕሊ ዓመት ተኣሲሮም ክከላበቱ ምርኣይ ኣዝዩ የቐንዙ። ስለዚ እንተተኻኢሉ መንግስቲ መፍትሒ ክህበና ንሓትት" ይብል መሓመድ።
ሱሌማን ብወገኑ "ብርግጽ ኣብ ዓዲ [ኢትዮጵያ] ጸገም ኣሎ። እንተኾነ ግና ሰብ ምስዝጽገም ናብ ዓዱ እዩ ዝሃድም እምበር ናብ ካልእ ሃገር ኣይኮነን። ኩላትኩም ናይዚ ህዝቢ ኣውያት ንመንግስቲ ከተስምዑልና ብስም ኣላህ እሓተኩም። እቲ ኩነታት ከቢድ እዩ። ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ እዋኑ እንተዘይተመሊሶም ፈታኒ ክኸውን እዩ። ነዚ ሓደራ ክብል እደሊ። ኣዝዩ ኣዝዩ የሕዝን" ኢሉ።
ኣብዚ እዋን ፖሊስ ስዑድያ ሰባት ሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ምድጓን ስግኣት ዝጎደለ እኳ እንተመሰለ፡ ፍርሒ ግና ከም ዘለዎም እቶም ኢትዮጵያውያን ይዛረቡ።
"[ፖሊስ] ገዛ ገዛ እናዞሩ [ፍቓድ እንተሎና] ይሓቱ። ካብ 50 ክሳዕ 60 መካይን ብምሓዝ እዮም ንሓደ ከባቢ ዝወሩ፤ ሎሚ ግና የለውን" ይብል መሓመድ።
"እዚ ግና ደው ኢሉ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ድኳናትን ኣብ ዝተፈላላየ ቦታታትን ፍተሻን ሕቶን ኣሎ። ወረቐት ዘይብሉ ሰብ'ሞ ምንቅስቓስ ኣይኽእልን። መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ፖሊስ መዲቡ ኣሎ። እቶም ፖሊስ ሓበሻ ስለዘለልዩ ወረቐት [ናይ ፍቓድ] ይሓቱ። እንተዘይብሉ ሒዞምዎ ይኸዱ" ብምባል መሓመድ ነቲ ህልው ኩነታት የረድእ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ብዝምልከት ምላሽ ምሃቡ ዝዝከር እዩ። ኣፈኛ እቲ ሚኒስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ከምዝሓበሮ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ዓለምለኻዊ ትካላትን ብምትሕብባር ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክመልስ ምጽንሑ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ደው ከምዘይበለ ዝገለጸ እቲ ኣፈኛ፡ ቅሩብ ዛሕልታት ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምድላዋት ይግበር ምህላው ኣረዲኡ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጸገም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ወፍሪ ዳግማይ ከምዝጅምር ሓቢሩ።
*ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ልዕሌና ክትትል ይግበር እዩ ብዝብል ስግኣት መንነቶም ከይግለጽ ብምሕታቶም ስማቶም ተቐዪሩ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







