'ናይ ተመርዓውኒ' ሕቶ ዝተቐበለት ኣባል ሰራዊት ናይጀርያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ

ንሰበይቱ ቃል ኪዳን ዝኣስር ስብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ናይጀርያ ወተሃዳራዊ ክዳን ተኸዲና ኣብ ስራሕ እናሃለወት ካብ ኣፍቃሪኣ ንዝቐረበላ ናይ “ትምርዓውኒ ዲኺ?” ሕቶ ዝተቐበለት ኣባል ሰራዊት ኣብ ቀይዲ ውዒላ።

ወሃቢ ቓል ሰራዊት ናይጀርያ “ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲና ፍቕራዊ ድልየታ ብምፍታና” ንወተሃደራዊ መምርሕታት ስነምግባር ከምዝጠሓሰት ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓንቲ ወተሃደር ኣፍቃሪኣ ኣብ ቅድሚኣ ተምብርኪኹ ናይ “ትምርዓውኒ ዲኺ?” ሕቶ ከቕርበላ የርእይ።

ንውሳነ ሰራዊት ምክልኻል ስዒቡ ጉጅለታት መሰላት ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ልዕሊኣ ኣድልዎ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ተቓውሞአን ኣብ ምስማዕ ይርከባ።

ሓንቲ ጉጅለ ምብቃዕን ደገፍ ሕግን ንደቂኣንስትዮ፡ ቅድሚኡ ደቂተባዕትዮ ወተሃደራት “ሙሉእ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ፍቕራዊ ርክቦም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክገልጹ ከለዉ” ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ ብምጥቃስ ተቓውሞኣ ገሊጻ።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ሕጹይ ፕረዚዳንታዊ መረጻ ናይጄርያ ነበርን ኦሞዬሌ ሶዎሬ “ጽልኢ ደቂኣንስትዮ” ክብል ንውሳነ ሰራዊት እታ ሃገረ ገሊጽዎ።

እታ ወተሃደር፡ ኣብ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንተመረቕቲ ዩኒቨርሲቲ ዝዳሎ ፕሮግራም ስልጠና ካብ ዝከታተል መናእሰይ ሓደ ናይ “ክትምርዓውኒ ዲኺ?” ሕቶ ዝቐረበላ ኮይኑ፤ እቲ ስልጠና ከኣ ብሰራዊት እታ ሃገር’ዩ ዝወሃብ ነይሩ።

እቲ ሕቶ መርዓ ድማ ኣብቲ ስልጣና ዝወሃበሉ እዋን ከምዝቐረበላ ተፈሊጡ’ሎ።

መዓዝ ከምዝተፈጸመ’ኳ እንተዘይተፈለጠ እቲ ቪድዮ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ተዘርጊሑ።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ነቶም መጻምዲ ናይ እንኳዕ ሓጎሰኩም ሰናይ ትምኒቶም ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ ነቲ ሕቶ ዘቕረበ ኣፍቃሪ’ውን ዘለዎም ናእዳን ክብርን ኣስፊሮም። ገለ ድማ ኣብታ ወተሃደር ኣላጊጾም።

ወሃቢ ቓል ሰራዊት ናይጀርያ ጀነራል ክሌመንት ዋችክዉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እታ ወተሃደር ንስነምግባር እቲ ሰራዊትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ንዝኽተሎ ፖሊሲን ከምዝጠሓሰት ተዛሪቡ።

“ሓላፍነት ናይ ኣሰልጠንቲ፡ ነቶም መናእሰይ ስልጠና ምሃብ እምበር ምስኦም ፍቕራዊ ርክባት ምፍጣር ኣይኮነን” ኢሉ።