ንጉስ ሳዐዲ ዓረብ ላዕለዎት ወታሃደራዊ አዛዝቲ እታ ሃገር አልዒሉ ብሓደሽቲ ተኪኡ

ንጉስ ሳልማን ቢን ኣብዱልኣዚዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንጉስ ሳልማን (ማእኸላይ) ናብ ስልጣን ዝተቖናጠጡ ኣብ 2015 ነይሩ

ስዑዲ ዓረብ 'ጠቕላላ ኢታ ማጆረ ሹም' ሓዊሱ እቶም ቀንዲ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ አልዒላ ብሓደሽቲ ክትክኡ ገይራ።

መራሒ ስዑዲ ዓረብ፥ ንጉስ ሳልማን ትማሊ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ካብቶም ካብ ስልጣኖም ዝተልዓሉ ወታሃደራዊ መራሕቲ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ይርከቡዎም።

እቲ ሓበሬታ ብዜና ወኪል ሳውዲ ዝኾነ ሳዑዲ ዓረብ ፕሬስ ኤጀንሲ ኣቢሉ ዝተቃለሐ እንትኸውን፥ ክሳብ ሐዚ እቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝቐረበ ምኽንያት የለን።

እዚ ስጉምቲ ዝተወሰደ፥ ብቐንዱ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ዝሳተፈሉ ዘሎን ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎን ውግእ ሳልሳይ ዓመቱ ክሕዝ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን እዩ።

ልኡል ንጉስ መሃመድ ቢን ሳልማን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር'ውን እንትኸውን፥ ኣብታ ሃገር ናይ ዝካየዱ ዘለዉ ሓደሽቲ ለውጥታት ሓንፃፅን ገባሪ ሓዳጊን ምዃኑ ይዝረብ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ፈረንጂ፥ ብርክት ዝበሉ ሚኒኒስትራት፣ ሹመኛታት ንጉሳዊ ቤሰብን ቢልዮኖራት (ሰብ ሃፍትን) ኣብ ከተማ ርያድ ኣብ ዝረከብ 'ሪትዝ ካርልቶን' ዓብይ ሆቴል ተዓጊቶም ክፀንሑ ከምዝተገብረ ዝዝከር እዩ።

እቲ ልኡል እዚ ስጉምቲ ምድጓን ዝወሰደ፥ ግዕዝይናን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ስልጣን ብዘይ ኣግባብ ምጥቃምን ንምቅላስ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብ እዋኑ ተሓቢሩ እዩ።

ጥሪ 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ የመን ኢድ ምአታው ዝጀመረ ካብ መጋቢት 2015 ጀሚሩ እዩ

ዘየዳግም ስጉምቲ

ሰበስትያን ኡሸር ዝተብሃለ ኢዲተር ቢቢሲ ጉዳያት ዓረብ ከምዝበሎ፥ እዚ ኣብ ታሪኽ ስዑዲ ዓብይ ትካላዊ ለውጢ ተገይሩ ዝውሰድ እንትኸውን፥ ቀንዲ ሓንፃፅን ተላምን እዚ ስጉምትታት ኣልጋ ወራሽ ንጉስ ሳልማን ዝኾነ፥ ፕሪንስ ሞሓመድ ቢን ሳልማን 'ዩ።

ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ስዑዲ ዓረብ ኢዳ ክትመልስ ዝተለመ'ውን እቲ አልጋወራሸ ባዕሉ እዩ።

እዚ እቲ ንጉስ ካብቲ ዝፀንሓ ናይታ ሃገር ታሪኽ ኣብ ምልዋጥ ከምዝርከብ ዘመላኽት 'ዩ፥ እቲ ኢዲተር ከምዝትንትኖ።

ብረግፅ ዋላ'ኳ ፀረ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዝቃለሱ ዘለዉ "ሓውቲ" ብዝብል ዝፍለጡ ተቓልስቲ ካብ ደቡባዊ ክፋል የመን ተፀራሪጎም ክወፁ እንተተገብረ፥ ብሓፈሻ ግና ከም ኪሳራ ዝቑፀር እዩ።

እዚ ኲናት ሕድሕድ ንየመን'ውን እንተኾነ ብዙሕ ሰብኣውን ቁሳውን ዋጋ እናኽፈላ ይርከብ።

Presentational grey line

መን ተባሪሩ መን አዩ ተተኪኡ

ጠቕላላ ወታደራዊ ኣዛዚ ዝነበረ ጀነራል ኣብዱል ራሀዕማን ቢን ሳሊሕ ኣል-ቡንያን ካብ መንጎ ቶም ካብ ሓላፍነቶም ዝተባረሩ እዩ።

ነዚኦም ዝትክኡ ድማ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ አመራርሓ ስልጣኖም ክብ ክብል ተገይሩ።

ላካቲት 5፥ 2018

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በዙሓት ንፁሃን የመናውያን ኣብቲ ብስዑዲ ዝምራሕ መጥቃዕቲ ህይወቶም ስኢኖም

ከምኡ'ውን ጎና ጎኒ እዚ ስጉምቲ፥ ሐደሽቲ ፖሊቲካዊ አመራርሓታት ክመፅኡ ተገይሩ እዩ።

ክብ መንጎ እዚኦም፥ ጓል ተነስተይቲ ታማዳር ቢንት ዩሱፍ ኣል ራማህ ዲኤታ ሚኒስትር ማሕበራውን ሰራሕተኛን ኮይነን ተሸይመን።