'ነዊሕ ኣይጸንሑን' ተባሂሎም ዝነበሩ ሰብ ሓዳር መበል 81 ዓመት ኣቁጺሮም

ሮንን ጆይስን

ምንጪ ስእሊ, EXTRA CARE

ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ካብ ለንደን 80 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሚልተን ኬይንስ ዝነብሩ ሰብ ሓዳር ሮንን ጆይስ ቦንድን መበል 81 ዓመት መዓልቲ መርዐኦም ኣኽቢሮም።

እዚ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ሓዳር 'ንነዊሕ ግዜ ኣይጸንሕን' ተባሂሉ ተነጊሩዎም ከምዝበረ ጓሎም ሓቢራ።

እንተኾነ ከምቲ ዝተፈርሕ ኣይኮነን። ርግጽ ናይቶም መጻምዲ ፍቕራዊ ርክባት እናበርተዐን እናሰመረን ከምዝኸደ እዩ እዩ ዝንገርር።

ከምኡ ስለዝኾነ'ውን፤ ንነዊሕ ዓመታት ሓቢሮም ጸኒሖም ሕዚ'ውን ሓቢሮም ይርከቡ።

እዞም ደቂ 102ን 100ን ሰብ ጸጋ ዕድመ ሮንን ጆይስ ቦንድን ኣብ ከተማ ሚልተን ኬይንስ ዝርከብ ሓደ መጠወሪ ማእከል ዝርከቡ ኾይኖም፡ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ብሓዳር ነዊሕ ዓመት ጸኒዖም ዝጸንሑ ከምዝኾኑ እዩ ዝእመን።

እቶም መጻምዲ ቅድሚ 81 ዓመታት ብ1941 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ደቡባዊ ምብራቕ ባኪንግሃምሻየር እዮም ተኣታትዮም።

ሮንን ጆይስን

ምንጪ ስእሊ, EXTRA CARE

ጓላቶም ኢሊን ግና፡ " 'እዚ ሓዳር ነዊሕ ኣይክጸንሕን' ዝበሉ ሰባት ነይሮም። እዞም ሰባት ክንደይ እዮም ተጋግዮም ነይሮም?" ክትብል ብምግራም ትሓትት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዞም ሰብ ሓዳር መበል 80 ዓመት መዓልቲ መርዐኦም እንተኽብሩ፡ንግስት ኤልሳቤት "እንኳዕ ደስ በለኩም" ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ሰዲዳትሎም ተባሂሉ።

እቶም መጻምዲ ሰብ ሓደር፡ ኣብ ፈለማ ክልቲኦም ከምዝፋተዉን ነኒነፍሲወከፎም ከምዝተሓላለዩን ከምዝስማምዑን ይኣምኑ።

"ኣብ ሓዳርና ሓላፊ የብልናን። ክልቲአና ብእንካ ሃባ ኢና ንኣመን፤ ንነብር" ክብላ ጆይስ ተዛሪበን።

ወሲኸን'ውን፡ "እንተኾነ ሓዳርና 81 ዓመት ክበጽሕ እዩ ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን። ናብዚ ዘገርም ዓወት ምብጻሕና ዕድለኛታት ኢና። ደስ ዝብል ነገር እዩ " ኢለን።

"ሓልሓሊፉ ህይወት ከቢድ እዩ፤ እንተኾነ ሓቢርና ክንሰግሮ ኢና ንፍትን። ባዕልና ንባዕልና ንተሓላለ" ዝበሉ ድማ ስብኣየን ሮን እዮም።

እቶም ሰብሃዳር ኢሊንን ቢልን ዝተብሃለ ክልተ ውላዳት ኣፍርዮም ኣኦም።

ሕዚ ሰለስተ ደቅ ደቆም፣ ሽድሽተ ደቅ-ደቅ-ደቆም ከምኡ'ውን ሓደ ደቅ-ደቅ-ደቅ-ደቆም ርእዮም።

እቶም ሰብ ሓዳር ከም ኣቆጻጽራ አውሮጳውያን፡ ብ2013 ናብ ጡረታ ዝወጽኡ ኾይኖም ስብኣየን ጡረታ ክሳብ ዝወጽኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ናይ ሼል ጋራዥ ይሰርሑ ነይሮም።።

እተን ሰበይቲ ድማ፡ ኩዊንስዌይ ኣብ ዝተብሃለ ትካል ንግዲ ይሰርሓ ነይረን።

እታ ሓንቲ ጓሎም፡ "ወለዳ ንኻልኦት ሰብ ሓዳር ጽቡቕ ኣብነት ከምዝኾኑ" እያ ትዛረብ።

"ኩሉ ግዜ ንዝኾነ ሰብ ብፍቅርን ብኽብርን እዮም ዝቕበሉ" ክትብል ወሲካ ሓቢራ።

"ኣቦይ ነቲ ስድራ ንምድጋፍ በርቲዑ ይሰርሕ ነይሩ። ኣደይ ድማ ንሕናን ገዛናን ጽሩያት ክንከውን ኣዝያ ትጸዕር ነይራ። ድሕሪ 81 ዓመት ናይ ሓዳር ጻንሒቶም እንተኾነ'ውን ነንሕድሕዶም ኣዝዮም እዮም ዝፋተዉን ዝተሓላለዩን" ኢላ ጓላቶም ኢሊን።