ብጌጋ ናብ ሕሳቦም ዝኣተወ 100 ሽሕ ዶላር ዘጠፋፍኡ ሰብ ሓዳር ብስርቂ ተኸሲሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሮበርትን ቲፋኒን ኣመሪካውያን ሰብ ሓዳር እዮም። እቲ ንሶም ዓሚል ዝኾኑሉ ባንክ፡ ብጌጋ 120 ሽሕ ዶላር ናብ ሕሳቦም ኣታዊ ገይሩሎም።
ንሳቶም ድማ፡ ነቲ ዝኣተወሎም ገንዘብ፡ ዳርጋ ኩሉ ኣጠፋፊኦምዎ።
ፖሊስ ከምዝበሎ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ናቶም ዘይኮነ ገንዘብ፡ ክቡር መኪናን ካልኦት ናውትን እዮም ዓዲጎምሉ።
ሮበርትን በዓልቲ ቤቱን፡ እቲ ገንዘብ ናቶም ከምዘይኮነ ይፈልጡ ምንባሮም ከምዝኣመኑ ፖሊስ ገሊጹ።
ወዲ 36 ዓመት ሮበርትን፡ ጓል 35 ዓመት ቲፋኒን፡ ብገበን ስርቂ ዝተኸሰሱ ኮይኖም ብዋሕስ ክፍትሑ ክኢሎም እዮም።
እቲ ገንዘብ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ናብ ሕሳቦም ዝኣተወ ክኸውን ከሎ፡ ጌጋ ከምዝተፈጸመ ዝተፈለጠ ግን 20 ሰነ እዩ ነይሩ።
ሽዑ፡ እቲ ገንዘብ ካብ ሕሳቦም ወጺኡ ናብቲ ትኽክለኛ ሕሳብ ክኣቱ ንምግባር ኣብ ዝፍተነሉ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ባንኪ እንተየፍለጡ፡ ኣስታት 107,000 ዶላር ከምዘጠፋፍኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ዝተፈላለያ ዓይነት መካይንን ናይ ገዛን ናውቲ ድሕሪ ምዕዳጎም፡ 15,000 ዶላር ድማ ንመሓዙቶም ሂቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







