ቦትስዋና፡ ንፈለማ እዋን ሰብ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ መሬት ክውንና ኣፍቂዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቂ ኣንስትዮ ቦትስዋና ንፈለማ እዋን መሬት ክውንና ተፈቒዱለን።
ኣብታ ሃገር ብዙሓት ሰባት ካብ መንግስቲ መሬት ንምርካብ ኣቐዲሞም ክምዝገቡን ሪጋ ሒዞም ነዊሕ ክጽበዩን ንቡር'ዩ።
ብመሰረት ክሳብ ትማሊ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ሕጊ ድማ፡ ዝኾነ ውልቀሰብ መሬት ንዘለዎ ሰብ እንተተመርዒዉ እቲ ዝነበሮ መሬት ይሕደግ።
እዚ ብቐንዱ ንደቂ ኣንስትዮ ዝጸሉን ካብ ሓዳረን እንትፋትሓ ወይ'ውን በዓል ቤተን ክመውት እንከሎ ናብ ብዙሕ ጸገማት ከእትወን ዝጸንሐን'ዩ።
ፕሬዝደንት ሞክዌትሲ ማሲሲ ግን ድሕሪ ሕጂ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ካብ መንግስቲ መሬት ክረኽባ ከም ዝኽእላ ገሊጹ።
እቲ ፕሬዝደንት ብትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ እቲ ዝተመሓየሸ ሕጊ "ኩሉ ዜጋ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ኣብ ዝመረጾ ቦታ ንመንበሪ ዝኸውን ቦታ ክረክብ መሰል ኣለዎ" ዝብል ኮይኑ ብመንግስትን ማሕበረሰብን ዝውነን መሬት ዘጠቓለለ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
እዚ ሓድሽ ፖሊስ፡ ስድራ ንዘመሓድራን መንበሪ ገዛ ንዝደልያን መበለታትን ዘኻትምን ውሕስና ዝህብ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም ነቲ ምምሕያሽ ክንእዱዎ እንከለው፡ ኣዝዩ ዝደንጎየ ለውጢ ከም ዝኾነ ገሊጾም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







