ኣብ በረራ እንከላ ብኮቪድ-19 ምልካፋ ዝተረጋገጸ ሰበይቲ ንሰዓታት ኣብ ሽንቲ ቤት ርእሳ ገሊላ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኣይስላንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ነፋሪት መገዲ ኣየር ኣይስላንድ

ኣሜሪካዊት መምህር ኣብ በረራ እንከላ ብኮቪድ-19 ምልካፋ ብምርግጋጹ፡ ብፍታዋ ኣብ ሽንቲ ቤት እታ ነፋሪት ርእሳ ገሊላ።

ብ 20 ታሕሳሰስ ካብ ቺካጎ ናብ ሬይክጃቪክ ትበርር ዝነበረት ማሪሳ ፎቴዮ ኣብ ጎረሮኣ ሕማቕ ከምዝተሰምዓ ተዛሪባ።

ናይ ቅልጡፍ መርመራ ናውቲ ተማሊኣ ስለዝነበረት ባዕላ ነቲ መርመራ ድሕሪ ምክያዳ ከምዝተለኸፈት ኣረጋጊጻ።

ነቲ ተሪፍዋ ዝነበረ ሰዓታት መገሻ ኣብ ሽንቲ ቤት ክተሕልፎ እንከላ መግብን ዝስተን ብሓንቲ ኣሳሳዪት ይቕረበላ ከምዝነበረ ሓቢራ።

ንሳ ናብታ ነፋሪት ቅድሚ ምድያባ ናይ ኮቪድ ሰነድ መርመራ ኣርእያ እንተነይራ ኣየተፈለጠን።

ንሳ ንኤንቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “ኣብታ ነፋሪት 150 ገያሾ ነይሮም፤ እቲ ዝዓበየ ስግኣተይ ከየሕልፈሎም እዩ” ኢላ።

ንሳ ካብ ሽንቲ ቤት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኣይስላንደር ናብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ዝዘርግሓቶ ቪድዮ፡ ልዕሊ 4 ሚልዮን ግዜ ተራእዩ ኣሎ። ነታ ትተሓባበራ ዝነበረት ኣሳሳዪት’ውን ናእዳኣ ገሊጻ።

“ነቲ ዝቐጸለ ሓሙሽተ ሰዓታት ዘድልየኒ ኩሉ ምርካበይን ኩነታተይን ተረጋግጽ ነይራ” ኢላ።

ንሳ ናብ ኣይስላንድ ምስበጽሐት ኣብ ናይ ቀይሕ መስቀል ሆቴል ክተዕርፍ ነይርዋ።

ኣብዚ እዋን ሓድሽ ዓሌት ኦሚክሮን ኣብ ኣሜሪካ ብሰፊሕ ኣብ ምዝርጋሕ ዝርከብ ክኸውን እንከሎ እቲ ቫይረስ ካብቶም ዝቐደሙ ዝያዳ ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎ ዘለዎ ግና ከኣ ብዙሕ ብርቱዕ ከምዘይኮነ መጽናዕትታት ይእምቱ።

ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ኣብ ሓደ መዓልቲ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ብማእከላይ ገምጋም 277,000 ክበጽሕ እንከሎ እዚ ድሕሪ ምኽሳት እቲ ለበዳ ዝለዓለ ኣሃዝ እዩ።

ብምኽንያት እቲ ለበዳ ናብ ሆስፒታላት ዝኣትውን ዝሞቱን ሰባት ብዝሒ ግና ሕጂውን ዝተሓተ እዩ።

ኣብ መላእ ዓለም ብምኽንያት ኦሚክሮን ብዙሕ በረራታት ክስረዝ እንከሎ፤ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ 1,100 በረራታት ተሰሪዙ ኣሎ።