ኣንቶኒ ብሊንከንን ኡህሩ ኬንያታን ኣብ ኲናት ኢትዮጵያን ጉዳይ ሶማልያን ተዘራሪቦም

ኣንቶኒ ብሊንከንን ኡህሩ ኬንያታን

ምንጪ ስእሊ, State House of Kenya

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታትን ኣብ ጉዳያት እቲ ዞባን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ ከምዝዘተዩ ተገሊጹ፡፡

ብሊከንን ኡህሩን ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ኩነታት ሓዊሱ፡ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተዘራረቡ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ፡፡

ኣብቲ ዘተ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝምልከት ከምዝመኸሩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ፡፡

እቲ መግለጺ ከምዝሕብሮ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምፍታሕ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል፣ ዝፍጸሙ ግፍዒታትን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ደው ክብሉን እቲ ኲናት ብዘተ ፍታሕ ክረክብን ንምግባር ብሊንከንን ኡህሩን ተዘራሪቦም ኣለዉ፡፡

እቲ ኲናት ተጋዲዱ ኣብ ዝቐጸለሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተቓሪቦም ነይሮም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዘካየዶም ወፍሪታት ተታሒዞም ንዝነበሩ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝተቖጸጸረ እንትገልጽ፡ ሓይልታት ትግራይ ግና ንሰላማዊ ፍታሕ ዕድል ንምሃብ ብድልየቶም ናብ ትግራይ ከምዝተመለሱ ይገልጹ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ክልል ትግራይ ከምዘየእቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገለጸ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብኽልቲኦም ወገናት ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብምንኣድ ዘተ ክጅመር ጸዊዖም፡፡

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ፕረዚደንት ኬንያታን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆን እቲ ጎንጺ ብሽምግልና ክፍታሕ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣመሪካ ከምእትድግፎ ገሊጹ፡፡

እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ተመላሊሱ ምስ መራሕቲ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ዝተዛተየ ኦባሳንጆ፡ ብዛዕባ ዝረኸቦ ምላሽ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተገለጸን፡፡

ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ዝግመት ኮይኑ፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዘለዉን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረድኡ፡፡

ጉዳይ ሶማልያ ብዝምልከት ድማ መራሕቲ ክልልን ፌደራልን፡ ናይ ቤት ምኽርን ፕረዚደንታውን መረጻ ብቕልጡፍ ከካይዱ ከምዝግባእ ብሊንከን ምዝራቡ እቲ መግለጺ ሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ፎርማጆ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሑሴን ሮብለ ካብ ሓላፍነት ንምእጋድ ምፍታኑ ኣመሪካ ከምእትቃወምን፡ ክልቲኦም ወገናት ጎንጺ ካብ ዘጋድዱ ተግባራት ክቑጠቡን ከምዝተሓሳሰበ ተገሊጹ፡፡

ብሰኑይ ፕረዚደንት ፎርማጆ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ ብዘይ ኣገባብ ተጠቒሙን መሬት መንግስቲ ወሲዱን ብዝብል ዝግበረሉ ምርመራ ክሳብ ዝውዳእ ካብ ሓላፍነቱ ኣጊድዎ ነይሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ብወገኑ እቲ እገዳ ‘‘ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ እዩ’’ ብምባል ነቲ ውሳነ ከምዘይቅበሎን ኣብ ስርሑ ከምዝቕጽልን ገሊጹ ነይሩ፡፡

እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዓበይቲ መራሕቲ ዝተፈጠረ ወጥሪ ናብ ጎንጺ ከየምርሕ ተሰጊኡ ኣሎ፡፡