ናይ ግብጺ ፈርዖን "ማሚ" ንመጀመርታ እዋን ብዲጂታላዊ መገዲ ተቐሊዑ

ማሚ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ሬሳ ናይ ሓደ ጥንታዊ ፈርዖን ግብጺ፡ ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ብዲጂታላዊ መገዲ "ተቐሊዑ" ንፈለማ እዋን መጽናዕቲ ተገይሉ።

እቲ ካብ 1525 ክሳብ 1504 ቅ.ል.ክ ዝገዝአ ናይ ኣመንሆተፕ ማሚ (ንኣሽሓት ዓመታት ክዕቅቦ ብዝኽእል መድሃኒት ቅርጹ ሓልዩ ምስ ቆርበቱ ተገኒዙ ዝርከብ ኣስከሬን) ቅድሚ 140 ዓመታት ኣብ ደይር ኤል-ባሃሪ እዩ ተረኺቡ።

ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ግና፡ እቲ ነቲ ኣስከሬን እተገብረሉ ማስኬራን ፋሻታትን ምእንቲ ከይፍንጣሕ ክኸፍቱዎ ኣይደለዩን።

ይኹን እምበር ሕጂ ናይ ኮምፒዩተር ቶሞግራፊ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ብዛዕባ ፈርዖናትን ኣቀባብራኦምን ምስጢር ኮይኑ ንዝጸንሐ ሓደ ሓደ ሓበሬታ ክድህስሱዎ ክኢሎም ኣለው።

ኣብ ካይሮ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካስር ኣል-ኣይን ኣብ ናይ ሕክምና ኮሌጅ እትሰርሕ ላዕለወይቲ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ፕሮፌሰር ራድዮሎጂ ዶክተር ሳሃር ሳልም "ገጽ እቲ ንልዕሊ 3,000 ዓመት ተጠቕሊሉ ዝጸንሐ ንጉስ ክንርኢ ክኢልና ኣለና" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።

ዶክተር ሳሃር ሳልም ኣብ ጥቓ "ማሚ" ናይ ንጉስ ኣመንሆተፕ ቀዳማይን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ሳሃር ሳልም ኣብ ጥቓ "ማሚ" ናይ ንጉስ ኣመንሆተፕ ቀዳማይን

ዶ/ር ሳልም፡ እቲ ልዕሊ ኩሉ ዘገረማ፡ ምምስሳል ገጽ ናይ ንጉስ ኣመንሆተፕ ቀዳማይ ምስ ወላዲኡ ኣሓሞሰ ቀዳማይ እዩ። እቲ ናይ መበል 18 ስርወ መንግስቲ፡ ቀዳማይ ፈርዖን ናይ ጥንታዊት ግብጺ፡ ጽብብ ዝበለ መንከስ፡ ጸቢብ ኣፍንጫ ፡ ለማሽ ጸጕሪ ርእሲ፡ ከምኡ እውን ላለዋይ ኣስናኑ ፍይር ዝበለ ከምዝኾነን ኣብቲ ኣካላት ኣስከሬን ዝኾነ ዓይነት ቁስሊ ናይ ዝኾነ ሕማም ከምዘይተራእያን ሓቢራ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ንጉስ ኣመንሆተፕ ቀዳማይ ብገምጋም ክሳብ 169 ሴንቲ ሜተር ቁመት ከምዝነበሮን ክመውት እንከሎ ድማ ወዲ 35 ዓመት ከም ዝዀነን ገሊጾም።

ዶ/ር ሳሌም እቲ መዋቲ ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣካላዊ ቁመና ከምዘሎን፡ ክመውት እንከሎ እውን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝነበረ፡ ሕማም ዘስዓበሉ ዝኾነ ይኹን ቁስልን ናይ ሕማም ምልክት ከምዘይብሉን ሓቢራ። ካብቲ ርኽበት ብምብጋስ ከኣ ብሰንኪ ረኽሲ ወይ ቫይረስ ሞይቱ ክኸውን ከምዝኽእል ትግምት።

እቶም ተመራመርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣመንሆተፕ ቀዳማይን ዝተገብረ ግንዘትን ቀብርን፡ እንተላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣፍ ልቡ እተተራኣሰ አእዳው፡ ከምኡ እውን ካብቶም ካልኦት ዝተረኽቡ ፈረኦናት ፍልይ ብዝበለ ሓንጎሉ ከም ዘይተኣልየን ምስኡ ከምዝተቐብረን ሓቢሮም።

ኣስዒቦም እውን እቲ ብማሚ እተገንዘ ኣስከሬኑ ድሕሪ ኣርባዕተ ክፍለ ዘበን ኣብ መበል 21 ስርወ ንግስነት ብካህናት እቲ እዋን "ግቡእ ምትዕርራይን ጽገናን" ከም እተገብረሉ ኣረዲኦም።

ናይ ኣመንሆተፕ ቀዳማይ ሰብነት "ማሚ" ብካህናት መበል 21 ስርወ ንግስነት ክልሳ ሳዕ ተጸጊኑ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ናይ ኣመንሆተፕ ቀዳማይ ሰብነት "ማሚ" ብካህናት መበል 21 ስርወ ንግስነት ክልሳ ሳዕ ተጸጊኑ

ብመሰረት እቲ ዝተገብረሉ ስካን፡ እቲ ማሚ: ኣብቲ ክልተ ሳዕ ተጸጊኑ እተቐብረሉ እዋን: ምናልባት እውን ብሰረቕቲ መቓብር ተጎዲኡ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሕብር ምልክት ተረኺቡ።

ብዘይካዚ፡ እቶም ካህናት ካብ መገጣጥሞኡ እተፈልየ ንርእስን ክሳድን እቲ ኣስከሬን ብልሕጺ እንጣጢዕ ኣሲሮም ናብ ንቡር መሊሶም ከም ዘቕንዕዎን ፡ ነቲ ኣብ መናድቕ ከብዱ ዝነበረ ጕድለት እውን ብዓለባ ብምሽፋን ኣብ ትሕቲኡ ክልተ ክታብ ከምዘንበሩሉን፡ ነቲ ተፈንቲቱ ዝነበረ ጸጋማይ ኢድ እውን ምስቲ ሰብነት ከም ዝጠቕለሉዎን ኣርኣዩ ።

ዶክተር ሳሌም: ኣመንሆተፕ ቀዳማይ ኣስታት 30 ክታብን ምስ ዝተፈለላየ "ፍሉይ" ወርቃዊ ዕጥቁን ብወርቂ እተሰረሐ ዓራቱን እዩ ተቐቢሩ። እቲ ሃብቲ እቶም ዝቕጽሉ ፎሮዖናት ንኽጥቀምሉ የትርፉዎ እዮም ዝብል ዝጸንሐ ክልሰ ሓሳብ እዚ ማሚ እዚ ከምዘፍረሶ ሓቢራ።

ወላዲት ኣመንሆተፕ ቀዳመይቲ ውሕስነታ ንምሕላው ኣብ ዲር ኤል-ባሃሪ ሮያል ካቸ ዝበሃል ጥቓ ፍረ-ወይኒ ዝርከብ እተሓላለኸ መቓብራትን ኣብያተ-መቕደስን በቶም ካህናት ንኻልኣይ ግዜ ከምእተቐብረ እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም።