ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣቦ ምስ ኣርባዕተ ደቁ ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሞይቶም

ኣቶ ጊዜ ብሩን ኣርባዕተ ደቁን

ምንጪ ስእሊ, Abrham Yirga

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ጊዜ ብሩን ኣርባዕተ ደቁን

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቀራንዮ፡ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ዓርቢ 15 ታሕሳስ 2014፡ ሰዓት 5 ምሸት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ ኣቦ ምስ ኣርባዕተ ደቁ ከምዝሞቱ ቤተሰቡ ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ በዓል ቤታን ኣርባዕተ ደቃን ስኢና፡ ምስ ጓል 10 ወርሒ ጓላ ብህይወት ናይ ዝተረፈት ወ/ሮ ኣምሳል ኣረጋ ሓው ዝኾነ ኣቶ ኣብርሃም ኣረጋ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ብሰንኪ እቲ ዘሕዝን ሓደጋ ሓሙሽተ ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ከምዝሞቱ ሓቢሩ፡፡

ኣብቲ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ምሸት፡ ኣብቲ ኮልፌ ቀራንዮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ መብራህቲ ከምዘይነበረን፡ ኣብ ገዛ እቶም ግዳያት ሽምዓ እናበረሀ ከምዘምሰየን ኣቶ ኣብርሃም ተዛሪቡ፡፡

‘‘[ሓፍተይ] ብፈሓም ምግቢ ተብስል ነይራ፡ በዓል ቤታ ምስ ሓንቲ ጓሎም ኣብ ሶፋ ግምብው ኢሉ ነይሩ፡፡ ነታ ሐዚ ብህይወት ዝተረፈት ክተጥቡ ምስ ኣተወት ድቃስ ወሲድዋ’’ ብምባል ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኩነታት ይሕብር፡፡

እታ ኣዶ ጓላ ከተጥቡ ናብ መደቀሲ ምስኣተወትን ሃንደበት ድቃስ ምስወሰዳን፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጠመ እዩ ኣቶ ኣብርሃም ዝዛረብ፡፡

ድሕሪኡ ጉረባብታ ተሓጋጊዞም ኣዶ ምስ ጓል 10 ወርሒ ውላዳ ከድሕኑዋ እኳ እንተኸኣሉ፡ ናይቲ ኣቦን ኣርባዕተ ደቁን ህይወት ግን ምትራፍ ኣይተኽኣለን፡፡

‘‘ሃንደበት ካብ ድቃስ ምስነቐሐት እቲ ሓዊ ይነድድ ነይሩ፡፡ [ ነታ እተጡባ ዝነበረት] ጓላ ሒዛ ናብ ደገ ወጺኣ፤ አእውያ፡፡ ጎረባብቲ መጺኦም ኣድሒኖማ፡፡ ነቶም ካልኦት ግን ምድሓን ኣይተኽኣለን’’ ኢሉ፡፡

እታ ወላዲት ንበዓል ቤታን ደቃን ንምድሓን ደጋጊማ ናብቲ ውሽጢ ገዛ ትጽውዕ ከምዝነበረት ዝገልጽ ሓዋ፡ እንተኾነ በዓል ቤታ ‘‘ዋላ እንተጸዋዕኩዎ ኣይነቐሐን’’ ከምዝበለት ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

በቲ ሓደጋ 15፣ 11፣ 8 ን 6 ን ዕድሚአን ደቆም ዝሞታ ኮይነን መንበሪ ገዝኦም እውን በቲ ሓደጋ ዓንዩ እዩ፡፡

ስነ ስርዓት ቀብሪ እቶም ግዳያት 16 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይበላ ማርያም ተፈጺሙ፡፡

ኣብቲ ብዓርቢ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ንቢቢሲ ዘረጋገጸ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣመራርሓ ኮምሽን ባርዕን ሓደጋን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ጉልላት ጌታነህ፡ ‘‘መበገሲ እቲ ሓደጋ ገና ይጻረ እዩ ዘሎ’’ ክብል ንቢሲ ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ እቶም ሓደጋ ዝበጸሖም ኣቦን ኣርባዕተ ደቁን ህይወቶም ምስሓለፈ ኣብ ሆስፒታል ከምዝበጽሑ ሓቢሩ፡፡

ካብቲ ሓደጋ ዝተረፈት ሓፍቱን ጓላን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘለዋ ዝገለጸ ኣቶ ኣብርሃም፡ እንተኾነ እታ ኣዶ በዓል ቤታን ኣርባዕተ ደቃን ስኢና ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘላ ገሊጹ፡፡

‘‘ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣርባዕተ ሬሳ ምቕባር ከቢድ እዩ፡፡ ኣበይ ከምዝተቐበሩ እውን ሎሚ መዓልቲ እያ ፈሊጣ’’ ኢሉ፡፡