እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ 'ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ'ዩ'
ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምውጽኦም ንፖለቲካዊ ዝርርብን ሰላማዊ መስርሕን ዕድል ዝህብ ምዃኑ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ "መርገጺ መንግስቲ፡ እቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ወይ ህወሓት ተባሂሎም ዝፍለጡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወጺኦም ናብ ትግራይ ክምለሱ ኣለዎም ዝብል'ዩ። እዚ ሕጂ ተፈጺሙ'ሎ።
"ንሕና ከም መንግስቲ ኣመሪካ'ውን፡ ህወሓት ናብቲ ናቶም ክልል ዝኾነ ትግራይ ክምለሱን ነቲ ኲናት ናብ ካልእ ቦታታት ከየስፍሕዎን ኢና ክንጠልብ ጸኒሕና። እዚ ድማ ሕጂ ተፈጺሙ'ሎ" ኢሉ።
እቲ ኣመሪካዊ ወኪል፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦለሰጉን ኦባሳንጆ ብሓሙስ ወይ ዓርቢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ምዃኑ'ውን ተዛሪቡ'ሎ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን፡ መራሕቲ ትግራይ "ንሰላም ዕድል ንምሃብ" ብዝብል ሓይልታቶም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክስሕቡ ከምዝወሰኑ ገሊጾም ነይሮም።
ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ሓይልታት ትግራይ ተሳዒሮም ከምዝወጹ ብምግላጽ፡ ሓይልታቶም ንሓያሎ ኣገደስቲ ከተማታትን ከባቢታትን ደጊሞም ከም ዝተቖጻጸሩ ይገልጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንህወሓት ንምጥቃዕ ሰፊሕ ወተደራዊ ወፍሪ ናይ ምግባር ትልሚ ከምዘይብሉ ሚኒስተር ዲኤታ ጉዳያት ወጻኢ ሬድዋን ሑሴን ብሰሉስ ንኣምባሳደራት ወጻኢ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብዙሓት ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ናብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ይግስግሱ ከምዘለዉ ሰብመዚ መንግስቲ ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣባል ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝኾነ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ሓደ ረቛሒ ምስሓብ ሓይልታቶም ምዃነን ተሚኑ ነይሩ'ዩ።
ኣምባሳደር ፈልትማን ካልእከ እንታይ በለ?
ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን መራሕቲ ዓለምን፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ስምምዕ ሰላምን ዘምርሕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ ጸቕጢ ይገብሩ ምህላዎም'ውን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ተዛሪቡ። እንተኾነ ግን፡ ኣየኖት መራሕቲ ምዃኖም ብስም ኣይጠቐሰን።
መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብሰኑይ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ፡ "ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግብኣና መሰላት ክኽበር እንተዘይኮይኑ፡ንባዕልና መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ድሌት የብልናን" ድሕሪ ምባል፡ ንኹሉ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድ ጸዊዑ ነይሩ።
"ብኲናት ዝርከብ መፍትሒ የለን" ዝበለ እቲ ኣመሪካዊ ወኪል፡ "እዚ ድማ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ክህሉ ኣለዎ ዝብሎ ዝነበረ ኣሳታፊን ተኣማንነት ዘለዎን ሃገራዊ ልዝብ ክህሉ ጥጡሕ ኩነታት ዝፈጥር እዩ። ኲናት እናተኻየደ እንከሎ ግን ናይ ብሓቂ ንኹሉ ዘሳትፍ ተኣማንነት ዘለዎን ልዝብ ክህሉ ኣይክእልን'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ሽዱሽተ ሸውዓተ ሚልዮን ተጋሩ ኣለዉ። ዋላ'ኳ ሒደት ሚእታዊ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተኾኑ፡ ኣብ መሬቶም ኮይኖም ነታ ክልሎም ዝኾነት ትግራይ ብሓድነት ክከላኸሉ እዮም።
ኣምባሳደር ፈልትማን ኣስዒቡ፡ "ሰብኣዊ ክሳራ ናይዚ ኲናት ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡ ንተጋሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህዝቢታት ኣምሓራ፡ ዓፋርን ካልኦት ቦታታትን። ንመንግስቲ'ውን ኣዝዩ ዓቢ ፋይናንሳዊ ክሳራ'ዩ። ስለዚ ኢና ድማ፡ ንመንግስቲን ተጋሩን ከምኡ'ውን መሻርኽቶምን ንምርግጋእ ኢትዮጵያ ክብሉ ናብ ፖለቲካዊ መስርሕ ክኣትዉ ንጽውዕ ዘለና።
"ቅድሚ ሒደት መዓልታት [መራሒ] ህወሓት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት [ኣንቶንዮ] ጉተረዝ ዝሰደዶ ደብዳበ ንፖለቲካዊ ዝርርብ ጸዊዑ'ሎ። ክሳዕ ክንደይ ናይ እማኖም'ዩ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፞ ምኽንያቱ፡ ፖለቲካዊ ዝርርብ ይካየድ ስለዘየሎ፝
"ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦባሳንጆ፡ ሎሚ ወይ ጽባሕ ናብ ኣዲስ [ኣበባ] ክኣቱ'ዩ" ዝበለ ፈልትማን፡ ምምጻእ ፍለይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ "መንግስቲ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልያት ንምፍታሕ ንሰላማዊ መስርሕ ዘለዎ ተመሳሳሊ ቅሩብነት ንኽገልጽ ዕድል ዝህብ'ዩ። ብድሕሪኡ ኢና ናይ ክልቲኦም ተኣማንነት ከነረጋግጽ እንኽእል" ኢሉ።
ኣብ ሰሜን ዘሎ ግጭት ምፍታሕ ማለት፡ ነቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ንምህዳእ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ'ውን እቲ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ገሊጹ።
ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካ ናይ ህወሓት ጸግዒ ትወስድ ኣላ ክብሉ ብተደጋጋሚ ክወቕሱ ይስምዑ'ዮም።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ግጭት ናብ ሓፈሻዊ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ ምህላዉን፡ ብሰንኩ ሚልዮናት ሰባት ከምዝተፈናቐሉን ተጸበይቲ ረዲኤት ከምዝኾኑን ይግለጽ።
ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ኩሎም ወገናት ምግሃስ መሰላት ከምዘፈጸሙን ጸብጻባት ይሕብሩ።