ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ድሮናት ዘፍርይ ዲጄኣይ ዝተባህለ ኩባንያ ቻይና ማዕቐብ ኣንቢራ

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ዘፍርይ ‘ዲጄኣይ’ ዝተባሃለ ኩባንያን ካልኦት ሸውዓተ ኣፍረይቲ ትካላትን ማዕቐብ ከምዘንበረት ተሓቢሩ።

ክፍሊ ገንዘብ ኣሜሪካ [ትሬዠሪ ዲፓርትመንት] ኣብ ዝሓፈ ሓሙስ ነቶም ኩባንያታት ኣብ ዝርዝር ካብ ኢንቨስትመንት ዝተኣገዱ ትካላት ዘስፈረ ኮይኑ፤ ዜጋታት ሃገሩ’ውን ብጽሒት ከይዕድጉ ኮነ ከይሸጡ ኣጠንቂቑ።

ድሮናት ቻይናዊ ኩባንያ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ‘ኡይጉር’ [ኣብ ሰሜን ምዕራብ ቻይና ዝርከቡ ማሕበረሰብ] ክትትል ንምግባር ኣብ ረብሓ ውዒለን ተባሂሉ’ሎ።

ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ፡ ኩብንያ ዲጄኣይ ‘ስግኣት ድሕነት ሃገር’ ከምዝኾነ ብምሕባሩ፡ ኣብ 2020 እውን ክፍሊ ንግዲ እታ ሃገር ኩባንያታት ኣሜሪካ ዝኾነ ፍርያት ከየቕርቡሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ፖሊስ ኒውዮርክ ከተማ ዝርከቦም ልዕሊ 900 ትካላት ድሕነት ሃገር ኣሜሪካ ፍርያት ዲጄኣይ ከምዝጥቀሙ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ፓርክ እታ ሃገር ኣብ ካሊፎርኒያ ንዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ምቁጽጻር ዶሮናት እቲ ኩብንያ ተጠቒሙ’ዩ።

ገዚፍ ኩባንያ ቴሌኮም ቻይና ‘ህዋዌ’ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መዝገብ ዝተኣገዱ ኩባንያታት ወጻኢ ምስፋሩን ክሳብ ሎሚ ኣብ እግድ ከምዝርከብን ይፍለጥ።

ምምሕዳር ጆ ባይደን ድማ ‘ሰሚ ኮንዳክተር ማኒፋክቸሪንግ ኢንተርናሽናል ኮርፖሬሽን’ ብዝብል ዝፍለጥ ዓብዪ ኩባንያ ማዕቐባት ንምንባር ይሓስብ ምህላዉ ጸብጻብ ሮይተርስ ኣመልኪቱ’ሎ።