እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን: ኣመሪካ ንስድራ ግዳያት መጥቃዕቲ ድሮን ካሕሳ ክትከፍል እያ
መንግስቲ ኣመሪካ ንስድራ ቤት እቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ካቡል ብሰራዊት ኣመሪካ ብጌጋ ብድሮን ዝተቐተሉ 10 ሰባት ገንዘባዊ ካሕሳ ከምዘቕረበሎም ተገሊጹ።
በቲ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ሓደ ሰራሕተኛ ገባሪ ሰናይ ትካል ሓዊሱ 9 ኣባላት ስድርኡ ዝተቐተሉ ኮይኖም ካብኣቶም እቶም 7 ህጻናት ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።
ነቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ዝድሓኑ ኣባላት ስድራ ድማ ናብ ኣመሪካ ንምውሳድ ይስራሕ ከምዘሎ ፔንታጎን ሓቢሩ። እቲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣመሪካ ሰራዊታ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣፍጋኒስታን ቅድሚ ምስሓባ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ ነይሩ።
እቲ ብሰራዊት ኣመሪካ ዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ጣሊባን ሃንደበት ንካቡል ተቖጻጺሩ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምምላሱ ስዒቡ ኣመሪካ ንገለ ዜጋታት እታ ሃገር እንዳውጽአት እንከላን ሓደ ዜቤታዊ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ጥቓ ማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ዘሎ መዓልታት ከምዝተፈጸመ ተሓቢሩ።
እቲ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ይተሓባበር’ዩ ዘሎ ብዝብል ትካል ስለያ ኣመሪካ ኣብ ነሓሰ 29 ንኣስታት 8 ሰዓታት ከምዝተኻተተሎ: ኣዛዚ ኮማንድ ፖስት ኣመሪካ ጀነራል ከቤት ማካንዜ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ስለያ ኣመሪካ ፈለማ ዘካየዶ ምርመራ ከምዘመላኽቶ: መኪና ናይቲ ሰራሕተኛ ረድኤት: ኣብ ሓደ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ-ኬ ምትእስሳር ኣብ ዘለዎ ቀጽሪ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካልእ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘኽእል ነተጉቲ ይጽዕን ከምዘሎ ብናይ ድሮን ስለያ’ኳ ተረጋጊጹ እንተነበረ ድሓረ ግን ናውቲ መትሓዚ ማይ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ተፈሊጡ።
ጀነራል ማካንዜ ነቲ ክስተት “ኣስደማሚ ጌጋ” ኢሉ ዝገለጾ ኮይኑ እቲ መጥቃዕቲ ንኽውሰድ ኢድ ጣሊባን ከምዘይነበሮ ሓቢሩ።
በታ ናይ ኣመሪካ ድሮን ዝተቐትለ ሰብኣይ ዛማሪ ኣሕመድ ዝበሃል ኮይኑ ካብ ቤቱ ኣስታት 3 ኪሎ ሜትር ምስተጉዓዘ ነይሩ ስጉምቲ ዝተወሰዶ።
ካብቶም ዝተቐተሉ ሓደ ኣሕመድ ናስር ንሰራዊት ኣመሪካ ናይ ትርጉም ስርሓቲ ይሕግዝ ከምዝነበረ ተገሊጹ። እቶም ካልኦት ግዳያት ሞት ዝኾኑ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን’ውን እንተኾነ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻውያን ትካላት ይሰርሑ ከምዝነበሩን ናብ ኣመሪካ ንኽጉዓዙ ቪዛ ከምዝነበሮም ተፈሊጡ።
እቲ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ ክኽፈሎም ዝተወሰነ ካሕሳ ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካን ሓደ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝሰርሕ ገባሪ ሰናይ ትካል ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ከምዝኾነ ፔታንጎን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሓበረ ኮይኑ ኣቶ ኣሕመድ ኮነ ካልኦት ብናይ ድሮን መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ሰባት ምስ'ቲ እስላማዊ ጉጅለ ዋላ ሓንቲ ዝምድና ዘይነበሮም ንጹሃት ከምዝኾኑ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።
ዋና ጸሓፊ ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካ ንግዳያት ስድራ ይቕሬታ’ኳ እንተሓተተ ወዲ ሓፍቱ ንኣሕመድ ግን እዚ እኹል ከምዘይኮነ ብምግላጽ “ብኣካል ናብ ኣፍጋኒስታን መጺኦም ገጽ ንገጽ ይቕረታ ክሓቱና ኣለዎም” ከምዝበለ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ።
ኣመሪካ ሰራዊታ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስሓብ ምስጀመረት ጣሊባን ነታ ሃገር ብምልኣት ንምቁጽጻር ክልተ ሰሙን ጥራይ’ዩ ወሲድሉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ካቡል ብ15 ነሓሰ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ጣሊባን ኣትያ።
ካቡል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ጣሊባን ቅድሚ ምእታዋ 124 ሽሕ ሰባት ካብታ ሃገር ወጺኦም። ኣብ ጥቓ ማዕርፎ ነፈርቲ ብዝተፈጸመ ነብሰ ቅትለታዊ ናይ ነትጕ መጥቃዕቲ ከኣ 170 ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።