እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ መስጊድ ብዘጋጠመ ነትጒ ብውሕድ 30 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ኣፍጋኒስታን ከተማ ካንዳሃር ኣብ ሓደ መስጊድ ብዘጋጠመ ነትጒ ልዕሊ 30 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 90 ቆሲሎም።
እቲ ነትጒ ማሕበረሰብ ሺዓ ሙስሊም ብብዝሒ ኣብ ዝእከበሉ መስጊድ ዘጋጠመ ኮይኑ፤ ስርዓተ ኣምልኮ ይካየድ ምንባሩ ተገሊጹ።
መንቀሊ እቲ ነትጒ ዛጊድ እንተዘይተፈለጠ’ኳ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይጥርጠር።
ሰለስተ ነትጒታት ከምዝተሰምዑ ዝሓበሩ መሰኻኽር ዓይኒ እቲ ሓደ ኣብ ዋና ማዕጾ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣመንቲ ኣብ ዝሕጸቡሉ ከባቢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሰዓብቲ እምነት እስልምና ተኣኻኺቦም ጸሎት ኣብ ዝገብሩሉ ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ተኣኻኺቦም ምንባሮም ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብቲ ቦታ ብውሑድ 15 ኣምቡላንስ ከምዝተረኣያ ጋዜጠኛ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።
ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ጣሊባን ነቲ ከባቢ ብምርግጋእ ሰባት ንዝተጎድኡ ዝኸውን ደም ክልግሱ የተሓባብሩ ምንባሮም ድማ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣፍጋኒስታን ከምዝበሎ፤ ‘ኣይ. ኬ. ኬ’ ብዝብል ዝፍለጥ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ’ውን ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኩንዱዝ ኣብ ሓደ ናይ ሺዓ መስጊድ ብዝተፈጸመ ነብሰቕትለታዊ መጥቃዕቲ ብውሕድ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።
‘ኣይ. ኬ. ኬ’ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ኣፍሊጡ ነይሩ። እዚ ጉጅለ ሱኒ ሙስሊም ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝርከቡ ተዋጋእቲ ሓይልታት እቲ ኣዝዩ ሕሉፍ/ጽንፈኛን ብዙሓት መጥቃዕትታት ዝፍጽምን ከምዝኾነ ይግለጽ።
ሓይልታት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን፣ ፖለቲከኛታትን ሚንስትር ኣብያተ ዕዮን፣ ጣሊባን፣ ሺዓ ሙስሊም፣ ሓይልታት ኣሜሪካን ኔቶን ከምኡ’ውን ትካላት ረድኤትን ዓለምለኸ ኤጀንሲታትን ድማ ቀንዲ ዒላማታት እቲ ጉጅለ እዮም።