እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተኸፈቱላ ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ በዂረን
ጣሊባን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተኸፈቱላ ኣፍጋኒስታን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ብምኽልካል ደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮን መምህራንን ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ፈቒዲም፡፡
ንቢቢሲ ቃለን ዝሃባ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ትምህርተን ክምለሳ ዘይምኽኣለን ከምዘሕዘነን ገሊጸን፡፡
ሓንቲ ካብተን ተምሃሮ ‘‘ኩሉ ነገር ጸልሚቱ እዩ ዝረኣየካ’’ ክትብል ተዛሪባ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣን ዝተቖጻጸሩ ሰብመዚ ጣሊባን ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ውሳነ ንምብጻሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም ነይሮም፡፡
ጣሊባን ናብቲ ኣብ ልዕሊ መሰላት ኣጓላትን ደቂ ኣንስትዮን ከቢድ ገደብ ኣንቢሩሉ ዝነበረ ናይ 1990ታት ዘበነ ስልጣኑ ዓይነት ምሕደራ ከይምለስ ብዙሓት ሰጊኦም ኣለዉ፡፡
ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ እስላማዊ ሕጊ ብዘይጠሓሰ መልክዕ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራን ክሰርሓን ከምዘፍቅዱ እቶም ሰበስልጣን ገሊጾም ነይሮም፡፡
እንተኾነ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ጸጥታዊ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ብዝብል ኣብ ገዝአን ክጸንሓ ዝተነገረን ኮይኑ፡ ዕጡቓት ጣሊባን ነተን ነቲ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዘጠቓለለ ጊዝያዊ መንግስቲ ተቓዊመን ሰልፊ ዝወጻ ደቂ ኣንስትዮ ክቕጥቅጡወን ተራእዮም እዮም፡፡
እቲ እስላማዊ ጉጅል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ደቂ አንስትዮ እታ ሃገር ብምዕጻው ብካልእ ተሪር ሃይማኖታዊ ሕጊታት ዘፈጽም ክፍሊ ተኪእዎ እዩ፡፡
‘ብዛዕባ መጻኢ ህይወተይ ኣዝየ ተሻቒለ’’
ብቐዳም ኣብያተ ትምህርቲ ቅድሚ ምኽፋተን ዝወጸ መግለጺ ኩሉም ደቂ ተባዕዮ መምህራንን ተምሃሮን ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክምለሱ ዝጽውዕ እዩ፡፡
ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢሁላህ ሙጃሂድ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝኽፈታን ሰብመዚ ኣብቲ ጉዳይ ይሰርሑ ከምዘለዉን ምግለጹ ወኪል ዜና ባክታር ጸኒሑ ሒዝዎ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፡፡
በጽሒ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ መጓዓዝያ ዝረኽበሉ ኩነታት ይደልዩ ከምዘለዉ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ንቢቢሲ ገሊጹ እዩ፡፡
እተን ተምሃሮን ቤተሰበንን ግና እቲ ኩነታት ተስፋ ከምዘይብሉ እዮም ዝገልጹ፡፡
ተማሂራ ክኢላ ሕጊ ክትከውን ከምእደልይ ዝገለጸት ሓንቲ ተምሃሪት ‘‘ብዛዕባ መጸኢ ህይወተይ ተሻቒለ’’ ክትብል ገሊጻ፡፡
ካልእቲ ነባሪት ካቡል ዝኾነት ጓል 16 ዓመት ተምሃሪት እውን ‘‘ዘሕዝን መዓልቲ’’ ብምባል እቲ ስጉምቲ ከምዘጉሃያ ገሊጻ ፡፡
‘‘ዶ/ር ክኸውን እየ ዝደሊ ነይረ፤ ሕልመይ ግን ጠፊኡ እዩ፡፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝምልሱና ኣይመስለንን፤ ዋለ‘ኳ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ አንተኸፈቱ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ኣይደልዩወንን ’’ ኢላ፡፡
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክመሃራ ከምዘፍቅዱን እንተኾነ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኮፍ ኢለን ከምዘይመሃራን ጣሊባን ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ደቂ ኣንስትዮ ፈሊኻ ንምምሃር እኹል ሃብቲ ብዘይ ምህላዉ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ትምህርቲ ክኽልከላ ከምዝኽእላ ገለ ሰባት ይዛረቡ።