እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጣሊባን ንመላእ ዞባ ፓንጅሺር ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ ተቓዋወምቲ ሓይልታት ግና ነቲ ሓበሬታ ነጺጎምዎ
ኣብቲ ካብ ካቡል ንሸነኽ ሰሜን ዝርከብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምሕደራ ጣሊባን ዝቃውም ሃገራዊ ግንባር ተቓውሞ ኣፍጋኒስታን (ኤንኤፍኣር) ዝጸንሐ ስንጭሮ ከቢድ ኲናት ክካየድ እዩ ጸኒሑ።
ኣፈኛ ጣሊባን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “በዚ ዓወት፡ ሃገርና ካብ ዓዘቕቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ነጻ ኮይና ኣላ” ኢሉ።
ኤንኤፍኣር ግና ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ።
ኣፈኛ ኤንኤፍኣር ዓሊ ማይሳም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ሓቂ ኣይኮነን፡ ጣሊባን ንፓንጅሺር ኣይተቖጻጸረን ንመግለጺ ጣሊባን ይነጽጎ ኣለኹ” ኢሉ።
እቲ ጉጅለ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ’ውን “ሓይልታት ኤንኣርኤፍ ኣብ መላእ እቲ ስንጭሮ ስትራተጂካዊ ኣብ ዝኾነ ስፍራታት ብምዃን ኲናት ንምቕጻል ድልዋት ኣለው። ፍትሕን ነጻነትን ክሳዕ ዝነግስ ኣንጻር ጣሊባንን መሻርኽቶምን ዝግበር ቃልሲ ክቕጽል ምዃኑ ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ነረጋግጸሉ” ይብል።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ስእልታት፡ ወተሃደራት ጣሊባን ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ ምምሕዳር እቲ ዞባ ደው ኢሎም የርኢ። ቢቢሲ ብመገዱ ነቲ ስእልታት ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ጣሊባን ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ንካልእ ክፋል ኣፍጋኒስታን ክቆጻጸር እንከሎ፡ እቲ ብሃገራት ምዕራብ ዝድገፍ መንግስቲ ድሕሪ ምውዳቑ፡ ብ15 ነሓሰ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።
መራሒ ሃገራዊ ግንባር ተቓውሞ ኣፍጋኒስታን ኣሕመድ መስዑድ፡ ንዘተ ቅሩብ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ነቲ ፍልልያት መዕለቢ ንምግባር ብመራሕቲ ሃይማኖት ንዝቐረበ ውጥን ከም ዝድግፎ ብምግላጽ ጣሊባን መጥቃዕትታቱ ከቋርጽ’ውን ጸዊዑ።
ኣሕመድ መስዑድ ብሰንበት ብፌስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ጣሊባን መጥቃዕትታቱ እንተኣቋሪጹ፡ ሃገራዊ ግንባር ተቓውሞ ኣፍጋኒስታን ውግእ ደው ከም ዘብል ተዛሪቡ።
ጣሊባን ግን ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የሎን።
እቶ ጎቦታትን ስንጭሮን ዝበዝሖ ፓንጅሺር ካብ 150 ሽሕ ክሳዕ 200 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረሉ ዞባ እዩ።
ሃገራዊ ግንባር ተቓውሞ ኣፍጋኒስታ ንኣባላት ጸጥታ ኣፍጋኒስታን ነበርን ምልሻታት እቲ ከባብን ዘካተተ ኮይኑ ብቀቢላዊ መራሒ እቲ ከባቢ ኣሕመድ መስዑድ እዩ ዝምራሕ።
ኣቦኡ ኣብ 1980ታት ኣንጻር ወራር ሶቭየት ከምኡ’ውን ኣብ 1990ታት ኣንጻር ጣሊባን ዕውት ቃልሲ ዘካየደ እዩ።
ብሰንበት ክልተ ፍሉጣት መራሕቲ እቲ ግንባር ምቕታሎም ከቢድ ጸቕጢ ዝፈጥር ምዃኑ ይግለጽ።
ኣፈኛ እቲ ኤንኣርኤፍ ፋሂም ዳሽቲ ከምኡ’ውን ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ዓብዱል ዉዶድ ዛራ ከምኡ’ውን ካብ ወገን ጣሊባን ሓደ ፍሉጥ ጀነራልን 13 ሓለውቱን ኣብቲ ጎንጺ ከም ዝተቐትሉ እቲ ግንባር ኣፍሊጡ።