እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ናይ “ሞት መቕጻዕቲ” ከምዝምለስ ሓቢራ
እቲ ሕጂ ሓላፊ ኣብያተ ማእሰርቲ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ሙላህ ኖሩዲን ቱራቢ ዝተባህለ በዓል ስልጣን ጣሊባን “ንገበነኛታት ኣካላቶም ብምቝራጽ ምቕጻዕ ንጸጥታን ድሕንትን ኣገዳሲ እዩ” ክብል ንማዕከን ዜና ኤፒ ኒውስ ኣፕቲስ ገሊጹ።
ንገበነኛታት ብመቑረጽቲ ምቕጻዕ ኣብ እዋን ምሕደራ ጣሊባን ልሙድ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ እቲ በዓል ስልጣን "ሕግታትና እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዋላ ሓደ ክነግረና ኣይክእልን እዩ" ክብል ተዛሪቡ ።
ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ 15 ነሓሰ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ፍኹስ ዝበለ ኣገባብ ኣቀጻጽዓ ከም ዝህሉ እዩ ተመባጺዑ ነይሩ።
ይኹን እምበር ድሮ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዛዕባ እተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዙሕ ጸብጻባት ቀሪቡ እዩ ።
ብሓሙስ፡ ሁማን ራይትስ ዎች፡ ጣሊባን ኣብ “ሄራት” ንዝርከባ ዝለዓለ ስም ንዘለወን ደቀንስትዮ ንምድላይ ካብ ኣባይተን ወጻኢ ከይንቀሳቐሳን፡ ግዱድ ስርዓተ ኣከዳድና ንኽጥቀማን መምርሒ ኣመሓላሊፉ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ነሓሰ ድማ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብድሕሪ ቅትለት እቶም ትሽዓተ ኣባላት ሕብረተሰብ ሃዛራ ዕጡቓት ጣሊባን ከምዝህልዉ ይኣምን።
ኣብቲ ግዜ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኣግነስ ካላማርድ ብዛዕባ እቲ ቅትለት "ንሕሉፍ ጭካነ ጣሊባን ዘዘኻኽር ቅትለት" ክብል ብምኹናን፡ “ጣሊባን ዝመርሖ መጻኢ ስርዓት እንታይ ከምዝመስል ዘሰንብድ መርኣዪ እዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ካቡል ድሕሪ ምቁጽጻሩ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ ፡ ኣብ ሃገራት ባልካን ዝነበረ፡ ሓጂ ባድሩዲን ዝተባህለ ንጣሊባን ዝድግፍ ሰብ፡ እቲ ጉጅለ እስላማዊ ሃይማኖት ንዝእዝዞ ሕጊ ኣጽኒዑ ዝትግብርን ቃል ብቓሉ ዚትርጕምን ብምዃኑ ከምዝድግፎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ ነይሩ።
ባድርዲን "ኣብ ሸሪዓ ሕግና ንጹር እዩ፡ ነቶም ከይተመርዓዉ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ፡ ጓል ይኹን ወዲ ብዘየገድስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት 100 ሽመል ክግረፉ፡ "ዝተመርዓወ ዝሙት እንተፈጺሙ ግን ብዳርባ እምኒ ክቕተል ዝብል እዩ። ዝሰረቐ ከኣ ኢዱ ይቑረጽ”
እዚ ተሪር ኣረኣእያታት’ዚ ሕሉፍ እስላማዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ብዙሓት ኣፍጋናውያን ይሰማምዑሉ እዮም።
ይኹን እምበር፡ ጕጅለ ጣሊባን፡ በቲ ሓደ: ነቲ እስላዊ ምሕደራ ክኸነሉ ክጽበዮም ዝጸንሐ ደጋፊኦም ከሐጉሱ: በቲ ሓደ ከኣ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ንክመሓዘው ህድእ ዝበለ ኣካይዳ ትጽቢት ስለዝገብረሎም ሚዛን ክሕዙ ይጽዕሩ ኣለው።
ቱራቢ፡ ከምቲ ናይ 90ታት ዘይሃይማኖታዊ ሙዚቃ ክሰምዑ ወይ ከኣ ጭሕሞም ክቕምቀሙ ዝታሓዙ ሰባት ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዘጋጥሞም ግን ከኣ ዘይከም ናይ 90ታት ቴሌቪዥን ክርእዩ ሞባይል ክሕዙ ከሰኣሉን ቪድዮ ክቐርጹን ክቕረጹን ከምዝፍቀዶም ኣረዲኡ።
እቲ ብሕሉፍ ተግባራቱ ኣብ ዝርዝር ማዕቀብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ዝርከብ ቱራቢ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ጣሊባን፡ ብዛዕባ እቲ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ’ዶ ይኹን ብስቱር ንዝብል ፖሊሱ ብዕምቆት ይመያየጠሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ 90ታት ገበነኛታት ኣብ ካቡል ኣብ ዝርከብ ዓቢ እስታድዩም ወይ ከኣ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ስፍራን ገፊሕ ጎልጎል ዘለዎ መሳጊድን እዩ ዝፍጸም ዝነበረ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ቱራቢ ሚኒስተር ፍትሕን ፕሮፓጋንዳን ከምኡ እውን ሓላፊ ሃይማኖታዊ ፖሊሲን ጣሊባን ነበረ ።
ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "ንዓና ብዛዕባ እቱ ኣብ ስታድዩም ህዝቢ ኣኪብና እነካይዶ መቕጻዕቲ ብዙሕ ሰብ እዩ ነቒፉና። ንሕና ግን ብዛዕባ ሕግታቶምን መቕጻዕቶምን ዋላ ሓንቲ ተዛሪብና ኣይንፈልጥን ኢና” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብዚ ሰሙን እዚ እውን ፡ ጣሊባን ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝግበር ዘሎ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መደረ ከቕርብ ሓቲቱ ነይሩ እዩ ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሄኮ ማኣስ፡ ምስ ጣሊባን ምዝርራብ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ፡ "ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ቦትኡ ኣይኮነን” ክብል ርእይትኡ ኣቕሪቡ ነይሩ።
እታ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ዝካየደላ ኣመሪካ ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን እቲ ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ዝውዳእ ዝመጽእ ውሳነ ከምዘይትህብ ገሊጻ እያ ።