እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት ኢትዮጵያ ንሶቖጣ ተቖጻጺሮም ናብ ኣላማጣን ኮረምን ይግስግሱ ከምዘለዉ ተገሊጹ
ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብዙሓት ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ናብ ኣላማጣን ኮረምን ይግስግሱ ከምዘለዉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሮብዕ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ጸጥታ ኣምሓራን ብግንባር ቆቦ ብዋጃን ጥሙጋን ኣቢሎም ናብ ኣላማጣ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ በተኩለሽ ኣቢሎም ናብ መረዋን ኮረምን ይምርሹ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝቐነየት ዞባ ዋግህምራን ሶቖጣን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉጅለ ህወሓት ንኸሳድድ ኢሉ ኣብ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ወተሃደራዊ ወፍርታት ከካይድ ድልየት ከምዘይብሉ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ ነይሩ።
መራሕቲ ትግራይ፡ ካብ'ቲ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ምፍላጦም ይዝከር።
እቲ ኲነታት ደው ናይ ምባል ውሳነ ንሰላማዊ ፍታሕ መገዲ ንምጽራግ ዝተወስደ ምዃኑ ድማ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ህወሓት ካብ ደጊም ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ተኽእሎ ንኸይህልዎ ንምግባር መንግስቲ ኣድላይ ዘበለ ነገር ኩሉ ከምዝገብርን ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምውሓስ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ናይ ምውፋር መሰሉ ከምዘኽብር ሓቢሩ’ዩ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ መንግስቲ የካይዶም ብዘሎ ተኸታታሊ ወተሃደራዊ ወፍርታት፡ ብሓይልታት ህወሓት ተታሒዞም ዝነበሩ ቦታታት ሓራ ዝገበረ ኮይኑ መራሕቲ ትግራይ ግን ስልታዊ ወተሃደራዊ ምንስሓብ ከምዝገብሩ’ዮም ክገልጹ ጸኒሖም።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተጋፍሐ ኵናት፡ ሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ንደሴን ኮምቦልቻን ሓዊሱ ክሳብ ሰሜን ሽዋ በጺሖም ከምዝነበሩ ዝዝከር’ዩ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ተቖጻጺሮም ኣዲስ ኣበባ ናይ ምእታው ድልየት ከምዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ወሪዱ ነቲ ሰራዊት ክመርሖ ከምዝኾነ ድሕሪ ምውሳኑ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዞም ዝጸንሑ ከባቢታት ናጻ ንምግባር ከበድቲ ውድግኣት ክካየዱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ከም ሳዕቤን እቶም ውግኣት ድማ ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ ካብ ምግታእ ብተወሳኺ ካብ ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡ ክኢሎም። ኣብዚ ውግኣት ካብ እግረኛ ሰራዊት ብተወሳኺ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ተሳታፊ ኮይኑ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ስሒቡ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዊጁ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ ሓይልታት ትግራይ ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ክወጽእ ዝኸኣለ ተሳዒሩ ከምዝኾነ ብምግላጽ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝገስገሱ ይፍለጥ።
ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብዘካየድዎ ወተሃደራዊ ወፍርታት ንሓይልታት ትግራይ ካብ ኣምሓራን ዓፋርን መሊኦም ከምዘውጽእዎም ይዛረቡ።
በንጻሩ መራሕቲ ትግራይ ከኣ ካብቶም ተቖጻጺረምዎም ዝነበሩ ከባቢታት ኣምሓራን ዓፋርን ዝወጽኡ ‘መእንቲ ሰላም’ ኢሎም ከምዝኾነ’ዮም ዝዛረቡ።
ብሰንኪ'ቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክቕትሉ እንከለዉ፡ ሚልዮናት ተፈናቐሊሎም፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበዪ ረዲኤት ክኸውን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።