እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ድሌት ኢትዮጵያ ብወደባት ኤርትራ ረድኤት ናብ ትግራይ ክኣቱ ይኽእል ድዩ?
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣመሪካዊ ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን፡ ኤርትራ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይኣቱ ወደባታ እንተዓጽያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንንግዳዊ ንጥፈታታ ኣብ ባሕሪ ክዕንቅፎ ከም ዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ፡ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ብዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲኣ ንመግለጺ እቲ በዓል ስልጣን ብምኹናን ብወደባታ ናብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲኤት ንከይኣቱ ከም ዘይኣበየት ሓቢሩ።
እቲ ዘረባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት የዛርብ ስለዘሎ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዛዕባ እቲ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ዝሃቦ ናይ ሓይሊ መግለጽን ምላሽ መንግስቲ ኤርትራን፤ ብዛዕባ ሕጋዊ ግዴታን ሞራላዊ ሓላፍነትን ማሕበረሰብ ዓለም ብዝምልከት፡ ከምኡ'ውን፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክልቲኦም ወይ ሓደ ካብኦም ረድኤት ንከይሓልፍ እንተኣብዩ ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ንክወስድ ዘፍቅደሉ ሕጋውን ኣህጉራዊ ደገፍ እንተልዩ ምስ ፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ወልደኪዳንን ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብን ተዘራሪቡ ኣሎ ምላሾም እነሆ።
ጉዳይ ልዑላውነት
ሓንቲ ሃገር ምስ ካልእ ሃገር ልዑላዊ ክብራ ሓልያ ክትዘራረብን ክትሻረኽን እምበር ብሓይሊ ክትግደድ ከምዘይግባእ ዝገልጽ ፕሮፌሰር ዓወት፡ እቲ ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን፡ ቅድሚ ኩነኔን ምፍርራሕን፡ ብንቡርን ሕጋውን መስርሕ ዲፕሎማሲ፡ ብመገዲ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገሩ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ወደባቱ ከፍቅድ እንተዝሓቶ ምበለጸ ይብል።
ኤርትራ ብወግዒ ከምዘይተሓተተትን ከምዘይኣበየትን ሰበስልጣናታ ሓቢሮም ኣለው። እቲ ኣባል ባይቶ ዋላ እውን ኤርትራ ኣሉታዊ ምላሽ እንተትህብ እውን ከም ኣባል ባይቶን ፖለቲከኛን መጠን፡ ንሽርክነትን ምትሕግጋዝን ዘተባብዕ ልዙብ ቃላት ክጥቀም ደኣ እምበር ብከምቲ ዝበሎ ናይ ሓይሊ ቃላት ክጥቀም ኣየምሕረሉን እዩ ክብል ርእይቶኡ የቐምጥ።
ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ፡ ኣኼባ ፍሉይ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ፡ ሞሊ-ፊ፡ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን "ኣሉታዊ" ብምዃኑ፡ ብወደባት እታ ሃገር ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጻ እዩ፡ ኣመሪካ ንንግዳዊ ንጥፈታት ኤርትራ ኣብ ባሕሪ ክትዕንቅፎ ከምእትኽእል ዝተዛረበ።
እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቻርተር ኣብ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ግዳማዊ ምትእትታው ኣየፍቅድን እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ 1990 ሕብረት ሶቬት ምስ ፈረሰት፡ "ልኡላውነት ናይ ህዝቢ ደኣ እምበር ልኡላውነት ናይ መንግስታት ክህሉ የብሉን" ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ፡ ዋላ እኳ ብዙሕ ወገን እንተዘይተሰማምዓሉ፡ ኣብ 1994 ብዝቐረበ ሪፖርት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጸዲቑ።
እቲ ቀዳማይ ተበግሶ ከኣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ኵናት ሓድሕድ ጥሜትን ሽግርን ምስ በዝሐን መንግስቲ ሱዳን ናብቲ ዝጠመየ ህዝቢ ደቡብ ረድኤት ንኸይኣቱ ምስ ከልከለን፡ ኣብ 1989 ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ብሓይልን ጸቕጥን ረድኤት ዝተዓደለሉ ቀዳማይ ወፍሪ ከምዝነበረ ፕሮፌሰር ጋይም ይሕብር።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ 1991 ኩርዳውያን ዒራቓውያን ብሰንኪ ኵናት ካብ ቤቶም ምስተመዛበሉን ሳዳም ሑሴን ብኽፉእ ስለዝሓዞምን ኩርዳውያን ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንክምለሱ ውሑስ ሃዋህው ንምፍጣር ሰብኣዊ ድሕንነት ጸጥታን ንምስፋን ኢንግሊዝ ዘንቀለቶን ብዙሓት ሃገራት ዝተሳተፈኦ ወተሃደራዊ ተበግሶ ከምዝተወስደ ፕሮፌሰር ጋይም የረድእ።
ፕሮፌሰር ዓወት እውን እቲ ዓለማዊ ሕጊ ሕቡራት ሃገራት፡ ንልዑላዊ ዶባት ሓንቲ ሃገር ብሓይሊ ክጠሓስ ዘይፍቀድ እኳ እንተኾነ፡ ምስ ከምዚ ናይ ረድኤት ምፍቃድን ምኽልካልን ዝኣመሰለ ዛዕባ ግን፡ " መንግስታት ብሰንኪ ድኽመታተን ንህዝበን ክከላኸላ ምስ ዘይክእላን ወይ ከኣ ንህዝበን ሓደጋ ምስ ዝኾና ዓለማዊ ሕብረተሰብ ክከላኸለሉ ኣለዎ" ዝብል ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ከምዘሎ ይገልጽ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ነቲ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዝመስል ሓሳብ ከምዘሎን፡ እቲ ውድብን ኣባል ሃገራትን ነቲ ዕማም ናትና ኢሎም እንተተዋሲኦምሉ ኣድማዒ ክኸውን ከምዝኽእል፤ ከምኡ እንተዘይኮይኑ ግን ተጋሩን መሓዙቶምን ብዝተወሃሃደ ድምጺ ንሕልና ማሕበረሰብ ዓለም ነቕኒቖም ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ክመርሑዎ ከምዝኽእሉ የረድእ።
"እቲ ዓለማዊ ሕብረተሰብ ዲፕሎማስን ቅልጽምን ተጠቒሙ ረድኤት ጥራሕ ዘእትወሉ ናይ ኣየር ኮሪደር ክፈጥር፡ ወይ ድማ ብዶባት ጎረባብቲ ብቃፍላይ ሕቡራት ሃገራት ተሰንዩ ረድኤት ከሰጋግር ይኽእል እዩ። እቲ ዝሓሸን ዝቐለለን ግን ንመንግስቲ ኤርትራ ኣፍቲኻ ብወደባት ኤርትራ ዓሰብን ባጽዕን ገይርካ ነቲ ብጥሜትን ካልእ ጸገማትን ተሸጊሩ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ፡ ዓፈርን ህዝቢ ኣምሓራን ረድኤት ከምዝበጽሖም ክግበር ይከኣል እዩ" ክብል ሓሳቡ የካፍል።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓለም ዝተራእየ ኣብነት
እቲ ኣመሪካ ኣብ ኮሶቮ ዝወሰደቶ በይናዊ ምትእትታው፡ ኣብቲ እዋን "ሓላፍነት ምክልኻል ዜጋታት" [ሪስፖንሲቢሊቲ ቱ ፕሮቴክት- ኣር.ቱ.ፒ.] ብዝብል ሓሳብ ከምዝነቐለን ዳሕራይ እውን በቲ መንፈስ እቲ ከምዝቐጸለን ፕሮፌሰር ዓወት የረድእ።
መራሒ ሊብያ ነበር መዓመር ኣልቀዛፊ፡ ነቲ ህዝባዊ ናዕቢ ዘበገሰ ህዝቢ ቤንቃዚ "ኣብ ዝኣተኹምዋ ኣቲና ክንኣርየኩም ኢና" ምስበለ፡ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ሂላሪ ክሊንተን፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ኣምባሳደር ነበር ሳማንታ ፓወር ሕጂ ናይ ዩኤስ ኤይድ መራሒት ዘላ፡ ከምኡ እውን እዛ ሕጂ ኣብ ምምሕዳር ጆ ባይደን ውሽጣዊ ጉዳያት ኣመሪካ እትመርሕ ዘላ ሽዑ ኣማኻሪት ሃገራዊ ጸጥታ ነበር ዶክተር ሱዛን ራይስ ንምምሕዳር ኦባማ ብምእማን እቲ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ይዝክር።
"ሽዑ ኣሜሪካን ምዕራብን ነቲ ምኽንያት ናይ ብሓቂ ድዮም ኣሚኖምሉ፡ ወይስ ንዕኡ ከም መበገሲ ወሲደም ንረብሐኦም ተጠቒሞምሉ ንዝብል፡ ካልእ ትንታነ ክወሃብ ይኽእል'ዩ። ይኹን እምበር ሽዑ ንሓደጋ ተቓሊዑ ዘሎ ህዝቢ ሊብያ ክንከላኸል ኣሎና ብምባል ንቀዛፊ ካብ ስልጣን ኣልዮሞ" ይብል ፕሮፌሰር ዓወት።
ብዛዕባ እዚ ዓንቀጽ'ዚ ንክጸሓፍ ምኽንያት ዝኾነ ናይ ሓይሊ ርእይቶ ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ብራድ ሸርማን፡ ብዝምልከት፡ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ኤርትራ፡ ናብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረዲኤት ንከይኣቱ ዓጽያን ዕንቅፋት ኮይናን ከምዘይትፈልጥ ብምግላጽ እቲ ኣባል ባይቶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምትብብዑ ነቒፉ።
ኤርትራ ኣብ 1998 -2000 ምስ ኢትዮጵያ ብዶባት ኣብ ዝተዋገአትሉ እዋን ከይተረፈ ወደባታ ንረድኤት ክፉት ገይራቶ ምንባራ፡ እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተሓሰሞ ዝዝክር ፕሮፌሰር ጋይም፡ ዝኾነ ይኹን ስርዓታት ብፖለቲካዊ ህልኽ ኣብ ዝኣተዉዎ ኵናት ንሰላማዊ ህዝቢ ግዳይ ክገብሩዎ ከምዘይግባእ እንተስ ብፍታዎም እንተስ ተገዲዶም ነቲ ቖልዓ ሰበይቲ ዘህልቕ ዓጸቦን ጥሜትን ብሳዕቤኑ ዝኽሰት ሕማምን ሞትን ንምክልኻል ሰብኣዊ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ ይገልጽ።
ኣብ ሱዳን ኣብ ዝነበረ ካልኣይ ኩናት ሓድሕድ፡ ብ1989 ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላማውያን ሰባት ብከቢድ ጥሜትን ዓጸቦን እናሞቱ መንግስቲ ሱዳን ረድኤት ንከይሓልፍ ምስከልከለ ዩኒሴፍን ዓለማዊ ፕሮግራም መግብን ዝርከበኦ 35 ማሕበራት ገበርቲ ሰናይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ተሰማሚዐን፡ ብጸቕጥን ሓይልን ማሕበረሰብ ዓለም፡ ካብ ኬንያ ተበጊሰን ነቲ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘብጽሓሉ ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ከቢድ ጥሜትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ምስ ሰዓበ፡ እቲ ህዝቢ ፖለቲካዊ ዝምድናታቱ ብዘየገድስ ሰብኣዊ ሓገዛት ክረክብ ኣለዎ ብዝብል መትከል ኣብ ሚያዝያ 1989 እቲ "ኦፐሬሺን ላይፍ ላይን ሱዳን" ዝተሰምየ ናይ ረድኤት ወፍሪ ተበጊሱ፤ ክሳዕ ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ኣብ 2005 ናይ ሰላም ስምምዕ ዝፈራረሙ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዶምን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት እተመልሱ ስደተኛታትን ይድግፍ ከምዝነበረ ፕሮፌሰር ጋይም ይዝክር።
ብሰንኪ ኵናት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ውግእ ካብ ዝኽፈት ክሳብ ሕጂ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣብ ክልል ትግራይ ብጥሜትን ዓጸባን ተጠቒዖም ምህላዎም ጸብጻባት ወሃብቲ ረድኤት ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።
እቲ ግጭት ናብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ምስ ለሓመ ከኣ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ክፈናቐል እንከሎ 5.6 ሚልዮን ድማ በቲ ግጭት ከም ዝተጸልወ ይሕበር።
ኣብ ክልል ዓፋር እውን ኣስታት 260 ሽሕ ህዝቢ በቲ ግጭት ክጽሎ እንከሎ 100 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ድማ ከም ዝተፈናቐለ ይጥቀስ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ በረራታት ዳግም ከምዝጀመረን ንትካላት ረዲኤት ንመንቀሳቐሲ ዘድልዮም ልዕሊ 40 ሚልዮን ብር ጥረ ገንዘብ ናብቲ ክልል ከእትዉ ከም ዝተፈቕደሎም ምሕባራ ይዝክር።