ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብታ ክልል ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥሜትን ተዅሲ ንምቁራጽ ዝግበር ጸቕጥን

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ልክዕ ከምቲ ኣብ 1984 (1976) ተራእዩ ዝነበረ ደርቅን ዓጸቦን ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ማርክ ሎውኮክ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ እቲ ንኣዋርሕ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ድሮ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ምህላዎም ገሊጹ።

"ነቲ ኣብ 1984 ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማይክል በርክ ኣብ ነብሲ ወከፍ 20 ደቂቕ ሓደ ህጻን ብዓጸቦ ይመውት ኣሎ ኢሉ ዝሰርሖ ጸብጻብ ሕጂ'ውን ኣብ ትግራይ ክድገም እዩ ኢልካ ምስጋእ ከኣ ዘይምኽንያታዊ ኣይኮነን።

"ዓለም ካብዚ ዘላቶ ተበራቢራ ነዚ ዘሎ ጸገም እንተ ዘይፈቲሓቶ፡ እቲ ናይ 1984 ዓጸቦ ምድጋሙ ክገርማ የብሉን።"

ኩሎም እቶም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ተዂሲ ደው ከብሉ ብምጽዋዕ፡ ዕጠዑቓትን መራሕቶምን ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ርድኤት ናብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ክኣትዉ ክፍቅዱ ተማሕጺኑ።

ተወሳኺ ህጹጽ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዘድሊ'ውን እቲ ብዓልስልጣን ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዘይካ ኣብቲ "ስርሒታት" ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት፡ ኩሎም ትካላት ረዲኤት ናብ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ ክኣትዉ "ዘይተገደበ ፍቓድ" ከምዝተዋህቦምን፡ ሓያሎ ኣትዮም ምህላዎምን ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢት ይቕጽል ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብታ ክልል ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥሜትን ተዅሲ ንምቁራጽ ዝግበር ጸቕጥን

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ ዝነበረ ፍሉይ ልኡኽ ምክልኻል ዓጸቦ ብሪጣንያ ኒክ ዳየር፡ ናብ ትግራይ ኣምሪሑ ነይሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣብታ ኣብ ኲናት እትርከብ ትግራይ ንዝነበሮ ጻንሒት ኣብ ዝዛዘመሉ ነቲ ዝረኣዮ ኩነታት፡ "ቅልውላው" ክብል እዩ ገሊጽዎ።

ድሕሪ መገሽኡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብቕልጡፍ እዩ ዘንቆልቁል ዘሎ። ሓደጋ ጥሜት ንምክልኻል ዘሎ እንኮ ኣማራጺ፡ ነቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ምባል እዩ። ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ኣካላት ንሰብኣዊ ረድኤት ክብሉ፡ ተዅሲ ከቋርጹ ኣለዎም" ኢሉ።

ኒክ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ስራሓት ሕርሻ ክጅመሩን ብፍላይ ሓረስቶት ምዝራእ ክጅምሩ ነቲ ጎንጺ ብቕልጡፍ ደው ምባል ከም ዘድልይ ገሊጹ።

ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ዲፕሎማስን ኣፈኛን ኤምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሉሲ ጎርደን፡ ኣብ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ ጥሜት ክግታእ ዝኽእል፡ ሕጂ ቅልጡፍ ስጉምቲ ምስ ዝውሰድ ጥራሕ እዩ ትብል።

"ምቁራጽ ተዅሲ ከም ዝግበር ተስፋ ንገብር፤ ስቓይ ሰለማውያን ሰባት ደው ንምባል እንተተሓሲቡ፡ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ መላእ ትግራይ ክንቀሳቐሱ ክኽእሉ ኣለዎም" ኢላ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ።

"ተዅሲ እንተተቛሪጹ፡ ሓረስቶት ግራቶም ክዘርኡን ትካላት ረድኤት ከም ድላዮም ረድኤት ከባጽሑ እንተኽኢሎምን ነቲ ሓደጋ ጥሜት ምእላይ ክከኣል'ዩ" ኢላ።

ኒክ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት ስልታዊ ዝኾነ መቕተልቲ ከምኡ'ውን ጾታዊ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ምህላው ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኤምባሲ'ውን ካብቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ማለት 90% ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልይዎ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ "ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ዝኸፍአ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

ፍሉይ ልኡኽ ምክልኻል ዓጸቦ ብሪጣንያ ኒክ፡ ንዘቕረቦ ጻውዒት ዝተፈላለያ ሃገራት ብሓባር ኣጋዊሐንኦ ኣለዋ።

ኣመሪካ፣ ኣውስትራልያን ካናዳን፡ ምቁራጽ ተዅሲ ክግበርን ክልከላ ዘይብሉ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ረድኤት ክግበርን ጻውዒት ዘቕረቡ ሃገራት እዮም።

ኒውዚላንድ፤ ጀርመን፤ ቤልጅየም፤ ኔዘርላንድስ፣ ሽወደንን ኖርወይን ነዚ ጻውዒት ዝተጸምበራ ሃገራት ኣውሮጳ እየን።

መንግስቲ ብሪጣንያ እቲ ኲናት ካብ ዝተወልዓሉ እዋን ጀሚሩ ብተደጋጋሚ፡ ንሰብሞያ እቲ ኤምባሲ ናብ ትግራይ ብምልኣኽ ነቲ ኩነታት ክከታተሎ ምጽንሑን ክሳብ ሕጂ ናብ 22 ሚልዮን ዩሮ ዝበጽሕ ሓገዝ ምግባሩን ሓቢሩ።

እቲ ኤምባሲ ባዕሉ ካብ ዝእክቦ ሓበሬታ ብተወሳኺ፡ ካብ እሙናት መሻርኽቱን ብመገዲ ትካላት ረድኤትን ኣቢሉ፡ እቲ ቅልውላው ካብ ዝጀመረሉ ሓበሬታ ብምእካብ ዝተፈላለዩ ስራሓት ከካይድ ምጽንሑ ገሊጹ።

ብመገዲ ፍሉይ ልኡኹ ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ተዅሲ ምቁራጽ ብምግባር፡ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ከም ዝከኣል ንምግባር ይሰርሕ ምህላው'ውን ኣፍሊጡ።

"ብሓባር ድምጽና ነስምዕ ኣሎና። እዚ''ውን ናብ ኣእዛን ዝምልከቶም ኣካላት ይበጽሕ እዩ፤ ከምኡ'ውን ናብ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ናይ ሕርሻ ወቕቲ፡ ካብዚ ኲናት ዕረፍቲ ክርከብ ተስፋ ንገብር" ክትብል፡ ኣፈኛ እቲ ኤምባሲ ተዛሪባ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብኣካል ብምርካብ'ውን፡ ስግኣቱ ምግላጹ ሉሲ ሓቢራ። ወሲኻ'ውን ብዛዕባ ክብደት እቲ ጉዳይ ንላዕለዎት ሰበስልጣን ይገልጹ ምህላዎም ተዛሪባ።

"እቲ ጸገም ፖለቲካዊ መፍትሒ ክናደየሉ ጻውዒት ነቕርብ ኣሎና" ኢላ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ።