እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ቆልዑ ዝርከብዎም 70 ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ተሰጋጊሮም
ቆልዑ ዝርከብዎም 70 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኢጣልያ ከምዝተሰጋገሩ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቶም 13 ቆልዑን ኣዴታቶምን ዝርከብዎም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ብምትሕብባር መንግስቲ ኢጣልያንን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ሓደ ካቶሊካዊ ማሕበረኮምን ብዓርቢ ናብ ከተማ ሮማ ዝኣተዉ ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ኢጣልያ፡ ኣንሳ ሓቢሩ።
እቶም ስደተኛታት ንነዊሕ እዋን ኣብ መዓስከራት ከምዝጸንሑን፡ "ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ኩነታት መነባብሮኦም ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት እናኸፍአ ክኸይድ" ከምዝጸንሐ፡ ማሕበር ሳንቲጊዶ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
ምስግጋር ናይቶም ስደተኛታት፡ ብመሰረት እቲ ማሕበረኮምን ጉባኤ ጳጳሳት ዒጣልያን ምስ መንግስቲ ዝገበርዎ ኣስታት 600 ቀዳምነት ዘድልዮም ስደተኛታት ናይ ምቕባል ስምምዕ ዝተኻየደ ምዃኑ'ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
እቶም ብነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ሮማ ዝኣተዉ ስደተኛተት፡ "13 ቆልዑ ዝሓዛ ስድራቤታትን፡ 40 ንጽል ሰባት ዝርከብዎም ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያትን" እዮም።
ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክምደቡ ምዃኖም ድማ ተፈሊጡ'ሎ። ገለ ኣብ ርእሰከተማ ሮማ፡ ካልኦት ድማ ናብ ከተማታት ቦሎኛ፡ በሉኖ፡ ፓርማ፡ ብሪሲጌላ፡ ኮሎንጎ ሞንዜሰ፡ ፓዷ፡ ሪቲ፡ ኣንኮናን ታራንቶን ብምኻድ ሓድሽ ናብራ ክምስርቱ'ዮም።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ኣብቲ ክልል ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ሓዲግ ተሪፎም ኣብ ከቢድ ጸጥታውን ሰብኣውን ሓደጋ ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር።
ብፍላይ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ኣብቲ ግጭት ምሉእ ብምሉእ ብምዕናወን፡ ኣብአን ዝነበሩ ልዕሊ 21,000 ስደተኛታት፡ ገሊኦም ሃዲሞም ፋሕ ኢሎም፡ ገለ ድማ ከምዝተጨውዩን ከምዝተቐትሉን ጸብጻባት ይገልጹ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ትግራይ ኣብ ዓዲ ሓርሽ፣ ማይ ዓይኒ፣ ሕጻጽን ሽመልባን ልዕሊ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ ይሕብር።
ካልኦት ኣስታት 50,000 ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ከም ዝኾኑ ጸብጻባት የረድኡ።
ብድምር ኣብታ ሃገር 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ይገልጹ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ። እቲ ግጭት ሰፊሕ ምፍንቓልን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከብዎም ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ዓስዒቡ ይርከብ።