እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሊብያ ተታሒዞም
ሰብመዚ ሊብያ፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ ብምሓዝ ከምዝመለስዎም ዓለምለኻዊ ፍልሰት ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።
እቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተዳጒኖም ምህላዎም ተፈሊጡ።
ብመሰረት ትካል ዓለምለኻዊ ፍልሰት (አይ.ኦ.ኤም )፡ ኣስታት 500 ስደተኛታት ሰንበት ምሸት ከምዝተታሕዙን ካልኦት 173 ድማ ኣብታ መዓልታ ንሊብያ ከምዝተመልሱን ገሊጹ። ካልኦት ኣሰታት 310 ድማ ቀዳም መዓልቲ ብሰብመዚ ሊብያ ተታሒዞም።
እቲ ትካል፡ ነቶም ስደተኛታት ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ይገብረሎም ምህላው ኣፍሊጡ።
'' አይ.ኦ.ኤም፡ እዚ ዝግበር ዘሎ ክቋረጽን ካልእ ውሑስ መገዲ ክናደየሎም'ውን'' ኣተሓሳሲቡ።
ኣይኦኤም ኣብ መግለጺኡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓመት፡ ብውሕዱ 5000 ህጻናትን ደቂ ኣንስትዩን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ናብ ሊብያ ከምዝተመለሱ ብመግላጽ ኣብ ውሽጢ ሊብያ ዝግበረሎም ዘሎ ኣተሓሕዛ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፈአ ይምጽእ ምህላዉ ሓቢሩ።
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ፡ ሊብያ ቀንዲ ዝብገሱላ ሃገር እያ።
ብሊብያ ኣቢሎም ንኤውሮጳ ካብ መንጎ ዝጓዓዙ ስደተኛታት፡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ይርከቡዎም።
ሊብያ፡ ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ቃዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ክሳብ ሕጂ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።
ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክሕቖን ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ወግእ ሓድሕድ ብዙሓት ስደተኛታት ኣደዳ ሞትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ከም ዘለው ትካል ስደተኛታት ይሕብር።