ቅልውላው ሶርያ፡ ውግእ ሶርያ ስለምንታይ ን10 ዓመት ቀጺሉ?

ቅድሚ 10 ዓመት ኣንጻር ፕረዚደንት ሶርያ ዝተላዕለ ሰላማዊ ናዕቢ፡ ናብ ምሉእ ውግእ ሓድሕድ ዓሪጉ። ኣብቲ ግጭት ከኣ ልዕሊ 380,000 ሰባት ሞይቶም ሓያሎ ከተማታት ተደምሲሰን። ዝተመዛበለ ህዝቢ ከኣ ናብ ካልኦት ከተማታት ግዒዙ።

ውግእ ሶርያ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ?

እቲ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብዙሓት ሶርያውያን፡ ኣብ ምሕደራ እቲ ብ2000 ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ፕረዚደንት ሓፊዝ ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ባሻር ኣል-ኣሳድ፡ ብሽቕለት ኣልቦነት፡ ብልሽውናን ፖለቲካዊ ዓፈናን የማርሩ ነይሮም።

ኣብ መጋቢት 2011 ደገፍቲ ደሞክራሲ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ተደፋፊኦም ኣብ ደቡባዊት ከተማ ደርዓ ኣንጻር ጨቛኒ ስርዓት ናዕቢ ኣለዓዒሎም።

መንግስቲ ሶርያ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ሓይሊ ምስ ተጠቕመ፡ ፕረዚደንት ኣሳድ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ተቓውሞታት ኣብ መላእ ሃገር ተላዕለ።

እቲ ዘይምርግጋእ ኣስፋሕፊሑ፡ እቲ ናዕቢ ድማ እናበርትዐ ከደ። እቶም ተቓወምቲ ፈለማ ነብሶም ንክከላኸሉ፡ ጸኒሖም ከኣ ንሓይልታት ጸጥታ ኣሳድ፡ ካብ ከባቢኦም ንከውጽኡ ኣጽዋር ኣልዒሎም። ሚስተር ኣሳድ ከኣ ነቲ ናዕቢ "ብባዕዲ ዝድገፍ ግብረ-ሽበራ'ዩ" ብምባል ክዶቑሶ ወሲኑ።

እቲ ህዝባዊ ዓመጽ ብቕልጡፍ ኣስፋሕፊሑ፡ እታ ሃገር ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኣተወት። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ተቓወምቲ ጕጅለታት ተላዕሉ። እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ሶርያውያን፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣሳድን ተቓወምቱን ካብ ምዃን ሰጊሩ ካልእ መልክዕ ሓዘ።

ናይ ወጻኢ ሓይልታት ናብ መንግስትን ተቓወምትን ጸግዒ ብምሓዝ፡ ገንዘብ፡ ኣጽዋርን ተዋጋእቲ ዕጡቓትን ክልእኩ ጀመሩ። እቲ ዕግርግር ምስ ዓረገ፡ ከም እስላማዊ መንግስቲ (IS) ጉጅለ ኣልቃዒዳን ካልኦት ጥሩፋት እስላማዊ ሓይልታት ነናይ ገዛእ ርእሶም ዕላማ ሒዞም ተጸምበሩዎ። እቲ ኩነታት ከኣ ንማሕበረሰብ ዓለም ከም ዓቢ ስግኣት ኣተሓሳሰቦም።

እቶም መሰል ርእሰ-ምምሕዳር ዝደልዩ ዝነበሩ ግን ከኣ ምስ ሓይልታት ሚስተር ኣሳድ ዘይተዋግኡ ኩርዳውያን-ሶርያውያን፡ ነቲ ግጭት ካልእ መልክዕ ኣልበሱዎ።

ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ሞይቶም?

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጉጅለ ምክትታል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ (SHR) ኣብ ክሳብ ታሕሳስ 2020 ዓመተ ምሕረት፡ 387,118 ሰባት ከም ዝሞቱን ካብኣቶም እቶም 116,911 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝኾኑ ሰኒዱ።

እቲ ጸብጻብ ነቶም ሃለዋቶም ብምጥፍኡ ከም ምውታት ተጸብጺቦም ዘለው 205,300 ሰባትን ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ መንግስቲ ብዜስካሕክሕ መገዲ ከም ዝሞቱ ዝእመን ግን ዘይተነግረሎም 88,000 ሰላማውያን ሰባት ኣይሓቁፍን እዩ።

ካልእ ተኸታታሊ ጉጅለ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝረኸቦን ዝኣከቦን ሓበሬታ ዝምርኮስ፡ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግን፡ ሰብኣዊ መሰላትን እንተላይ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተፈጸመ መዝጊቡ ኣሎ።

ካብ ታሕሳስ 2020፡ ኣስታት 226,374 ሰባት ኣብ ውግእ ክሞቱ እንከለው 135,634 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ሰነዳት የመልክቱ። ከምኡ እውን ዩኒሴፍ፡ (ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ቈልዑ)፡ ከምዝጸብጸቦ ኣስታት 12,000 ዝዀኑ ቈልዑ ተቐቲሎምን ቈሲሎምን ኣለው።

ኣብ ኵናት ሶርያ መን መን እዮም ዝሳተፉ ዘለው?

መንግስቲ ሩስያን ኢራንን ቀንዲ ደገፍቲ ፕረዚደንት ኣሳድ ክኾኑ እንከለዉ፡ ከም ቱርኪ፡ ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ሓያሎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ብእተፈላለየ ደረጃ ነቶም ተቓወምቲ ይድግፋኦም ኣለዋ።

እታ ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ ኣብ ሶርያ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝነበራ ሩስያ፡ ኣብ 2015 ንሚስተር ኣሳድ ብምድጋፍ ናይ ኣየር ደብዳብ ብምክያዳ እቲ ውግእ፡ ናብ ረብሓ መንግስቲ እታ ሃገር ንክዛዙ ወሳኒ ተራ ተጻዊታ።

ሰራዊት ሩስያ እቲ መጥቃዕቲ ን "ኣሸበርቲ" ጥራይ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ እቶም ተቓወምቲ ግን ነቶም ዓለወኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ከም ዝቐትል እዮም ዝገልጹ።

ኢራን ብኣማእት ዝቝጸሩ ሰራዊት ብምስላፍን፡ ቢልዮናት ዶላራት ገንዘብ ብምፍሳስን ንፕረዚደንት ኣሳድ ከምዝሓገዘት ይእመን።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እስላማዊ ሚሊሻታት ሺዓን፡ ብኢራን ዝሰልጠኑን ብገንዘባ ዝምወሉን፡ መብዛሕትኦም ካብ ምንቅስቓስ ሊባኖስ ሕዝቡላህ፡ ዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታንን የመንን ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ሶርያ ተሰሊፎም እዮም።

ኣብ ፈለማ፡ ኣመሪካ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ነቶም ከም "ቅቡላት" ዝርእዩዎም ዓለወኛታት ደገፍ ይህባ እኳ እንተነበራ ዳሕራይ ግን ኣብቲ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ጅሃዳውያን ስለዝዓብለሉ ንሓገዞም ዳግመ ግምት ክገብሩሉን ቀዳምነታት ክሰርዑን ተገዲዶም።

ብኣመሪካ ዝምራሕ ዓለምለኻዊ ጥምረት እውን፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ዝርከብ ብወተሃደራት ሶርያ ዝምራሕ 'ደሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያ "(SDF) ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ፡ ኣብ ሶርያ ዝርከብ ሰራዊት ኩርድን ኣዕራብን ንምሕጋዝ፡ ካብ 2014 ኣትሒዙ፡ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ብኣይሲስ ተታሒዙ ዝነበረ ሓደ ሓደ ቦታታት ኣምሊሱ።

ቱርኪ፡ እታ ቀንዲ ሓጋዚት እቲ ተቓውሞ እኳ እንተ ኾነት፡ እቲ ቀንዲ ኣድህቦኣ ግን ነቶም ኣብ ሃገራ ከይንቀሳቐሱ ዝተኸልሉ ጉጀሉ ኩርዲ በቶም ካብኦም ዝተፈልዩ ዕጡቓት ኩርዲ ምግጣም እዩ።

ሰራዊት ቱርኪን፡ ተቓወምቲ ኣሳድ ዕጡቓትን፡ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ሶርያ ንዘሎ ቦታ ሒዞም፡ ንመጥቃዕቲ ሓይልታት መንግስቲ፡ ኣብቲ ጽኑዕ ዕርዶም ኢድሊብ ይዓግቱ።

ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ፡ ነቲ ኢራናውያን፡ ኣብ ሶርያ ከሕድርዎ ዝኽእሉ ጽልዋ ንምግታእ፡ ከምቲ ንመቐናቕታ ጎረቤታ ቐጠር ዝገበረቶ፡ ካብ ምጅማር እቲ ውግእ ኣትሒዛ ነቶም ተቓወምቲ ኣሳድ ከተዕጥቖምን ክትድግፎምን ጸኒሓ እያ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እስራኤል፡ በቲ ኢራን ኣብ ሶርያ እተካይዶ ዘላ "ወተሃደራዊ ምትእትታው"ን ንሕዝቦላህን ካልኦት ሚሊሻታት ሺዓን እተዕጥቖ ኣጽዋርን ስለ ዘተሓሳሰባ፡ ሓያሎ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ኣካይዳ እያ።

እታ ሃገር (ሶርያ) ብኸመይ እያ ተጸልያ?

ብመሰረት ሓበሬታ ሶርያውያን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም፡ ልዕሊ 2.1 ሚልዮን ሰላማውያን ሰባት ከኣ መጕዳእቲ ወይ ነባሪ ስንክልና ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ቅድሚ ውግእ ካብ ዝነበረ 22 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ሶርያ፡ እቶም ፍርቆም ካብ ኣባይቶም ገዲፎም ሃዲሞም እዮም። ካብኣቶም ኣስታት 6.7 ሚልዮን ካብ መነባብረኦም ተመዛቢሎም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ መዓስከራት ይነብሩ።

ካልኦት 5.6 ሚልዮን ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከም ስደተኛታት ተመዝጊቦም ኣለዉ። ጎረባብቲ ሃገራት፡ ሊባኖሳን፡ ዮርዳኖስን ቱርክን ን 93% ስደተኛታት ሶርያ ተቐቢለን ንምንብባር ይቃለሳ ኣለዋ። ሓደ ሚልዮን ሶርያውያን ቖልዑ ከኣ ኣብ ስደት ተወሊዶም ኣለው።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ጥሪ 2021 ኣትሒዙ፡ ኣብ ሶርያ ዝነብሩ 13.4 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ።

ካብኣቶም እቶም 6 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም እዩ። ልዕሊ 12 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት፡ መዓልታዊ እኹል ምግቢ ንምርካብ ይቃለሱ። ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ቘልዑ ድማ ብሕዱር ሕማም ይሳቐዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዘስዓቦ ሕጽረት፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቊጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ። እዚ ከኣ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ባጤራ ሶርያ ኣዝዩ ከም ዘንቈልቍልን ዋጋ ምግቢ ከምዝንህርን ገይሩዎ። ኣብ ርእሲኡ ብሰንኪ ድሩት ዓቕሚ መርመራ ኮቪድ-19ን ለበዳን፡ ጥዕናዊ ክንክን እታ ሃገር ኣንቆልቊሉ እዩ።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ኣገደስቲ ትሕተ ቅርጺ ብናይ ዓሰርተ ዓመት ኲናት ዓንዮም እዮም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሳተላይት ዝረኸቦ ጸብጻብ፡ ኣብ መወዳእታ 2016 ኣብታ ከቢድ ኵናት ዝተኻየደላ ኣሌፖ ክሳብ ተመሊሳ ኣብ ኢድ መንግስቲ እትኣቱ ጥራሕ ልዕሊ 35,000 ህንጻታት ከም እተበላሸወን ከም እተደምሰሰን ይሕብር።

ካብ መጋቢት 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ 350 ዝተፈላለያ ሕክምናዊ መሳለጥያታት ዝህባ ትካላት፡ 595 መጥቃዕቲታት ከምእተኻየደ ብኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ከም እተመዝገበ ይሕበር። ከም ሳዕቤኑ ከኣ 923 ናይ ሕክምና ሰራሕተኛታት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ። ብከምኡ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ ፍርቂ ሆስፒታላት እታ ሃገር ጥራይ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

መብዛሕትኡ ባህላዊ ውርሻ ሶርያ እውን ጠፊኡ እዩ። ሽዱሽቲኡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ብዩኒስኮ ዝተለለየ፡ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ፓልሚይራ ዓለማዊ ውርሻ ሳይትስ እታ ሃገር፡ ገለ ክፋሉ ብፍላጥ ብወተሃደራት ዳዕሽ ዓንዩ ኣሎ።

መርመርቲ ገበናት ኲናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሶርያ፡ ኩሎም ወገናት "ኣዝዩ ከቢድ ምግሃስ" ከም ዝፍጸሙ ይኸሶም። ሶርያውያን ብወገኖም ኣብ ጸብጻቦም፡ "ሶርያውያን ኣብቲ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ከባቢ ብነፈርቲ ተደብዲቦም፡ ግዳይ ዘበናዊ ኬሚካላዊ መጥቃዕቲ ኮይኖም፡ እቶም ገበነኛታት ብፍላጥ፡ ህዝቢ ሶርያ ረድኤት ከይረክብን ክምብርከኽን ሰብኣዊ ረዲኤት ብምኽልካል ዘሕዝን በደል ኣጋጢሙዎ እዩ" ክብል ጸብጺቡ።

ሕጂ ንሶርያ መን'ዩ ዝቈጻጸራ?

እቲ መንግስቲ ነተን ዝዓበያ ከተማታት ሶርያ መሊሱ እኳ እንተ ተቘጻጸረን፡ ገና ግን ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ብዕጡቓት ሶርያውያን ተቓወምቲ፡ ብጅሃዳውያን፡ ብዴሞክራሲያውያን ሓይልታት ሶርያ ዝምርሑ ኩርዳውያን እዩ ተታሒዙ ዘሎ።

እታ ኣብ ኢድ ተቓወምቲ ዘላ ዝጸንዐት ዕርዲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣውራጃ ኢድሊብ እትርከብ ኰይና፡ ምስ ገለ ክፋል ሰሜናዊ ሃማን ምዕራባዊ ኣውራጃ ኣለፖን ትርከብ።

እቲ ዞባ 'ሓያት ታሕሪር ኣል-ሻም " ብዝተባህለ በቲ ምስ ኣል-ቃዒዳ ኪዳን ዘለዎ ቀንዲ ተዋጋኢ ጂሃዳዊ ስርዓት ዝተዓብለለ እዩ። ኣስታት 2.7 ሚልዮን ካብ ቤቶም ዝተፈናቐሉን መብዛሕትኦም ኣብ መዓስከራት ዝነብሩ ሓደ ሚልዮን ቈልዑን ተመዛቢሎም ኣለው።

ኣብ መጋቢት 2020፡ ሩስያን ቱርክን መንግስቲ ኣሳድ ንኢድሊብ ንምቁጽጻር ንዝገብሮ ዝነበረ ገስጋስ ደው ንምባል ናይ ተዅሲ ምቁራጽ ስምምዕ ገይረን። እንተኾነ ሕጂ ግዝያዊ ህድኣት ዓሲሉ እኳ እንተ'ሎ ኣብ ዝዀነ ህሞት ግን እቲ ውዑል ክፈርስ ይኽእል እዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር፡ ሓይልታት ቱርኪ ምስ ኵሎም ሶርያውያን ዕጡቓት ተቓወምቲ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ኣንጻር ሶርያውያን ደሞክራሲያውያን ሓይልታት መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ነቶም ኣብ ዶብ ሶርያ ዝርከቡ ኩርዳውያን ሚሊሻታት፡ ኣህጉራዊ ጉጅለ ምክልኻል ህዝቢ "ውሑስ ዞባ" ንምፍጣር መጥቃዕቲ ፈንዮም ነይሮም። ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ ኣስታት 120 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ርሕቀት ተቘጻጺሮም ኣለዉ።

ሰራዊት ደሞክራሲያዊ ግንባር ነቲ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ምስቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመት ናብቲ ብኩርዳውያን ዝመሓደር ዞባ ዝተመልሰ ሰራዊት ሶርያ ተሰማሚዑ። እዚ ከኣ ነቲ መንግስቲ በብቑሩብ ነቲ ቦታታት ንኽቆጻጸሮ ዕድል ሂቡዎ።

እቲ ውግእ መወዳእታ ይህልዎዶ ይኸውን?

ኣብ ቀረባ ግዜ ዝውዳእ ኣይመስልን እዩ፡ እንተኾነ ኩሉ ወገን ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድሊ ተሰማሚዑ ኣሎ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ "ብናይ ሓባር ስምምዕ" ዝመሓደር መሰጋገሪ ኣካል ክቐውም ዘጽደቐ፡ ኣብ 2012 ኣብ ጀኔቫ እተገብረ ሓባራዊ ኮምዩኒኬሽን ክትግበር ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ብው.ሕ.ሃ. እተገብረ 'ብካልኣይ መስርሕ ጄኔቫ "ዝፍለጥ ዝርርብ ሰላምታ ሽዓይ ዙር ምዕባለ ኣየመዝገበን። ፕረዚደንት ኣሳድ ምስቶም ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝሓቱዎም ከም ኣካል እቲ ስምምዕ ክርእዩዎ ዝደልዩ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ክዛተ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ኣብ 2017፡ ሩስያ፡ ኢራንን ቱርክን ብ"መስርሕ ኣስታና" ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ዘተ ኣካይደን ነይረን።

ናብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ዝመርሕ ክሳብ 150 ኣባላት ዘለውዎ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ እትነድፍ ኮሚተ ቆይማ ነይራ። እንተኾነ ክሳብ ጥሪ 2021 ግና ምንም ስራሕ ከምዘይተጀመረ፡ ኣባል ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጂር ፔደርሰን ተዛሪቡ።

ኣብ ሶርያ ሓሙሽተ ናይ ወጻኢ ሃገራት ወተሃደራት ሓይልታት እናሃለው፡ ጉዳይ ሶርያ ብሶርያውያን ጥራሕ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ኢልካ ትጽቢት ክግበር ከምዘይከኣል ሚስተር ፔደርሰን የረድእ።