እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኩናት ሶርያ ዘጸልመተን ኣዒንቲ
ካብ ዓሌት ኩርዲ ዝውለድ ሶርያዊ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ጆማ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ መላእ ኣካላቱ ጉድኣት በጺሒዎ። ስድራ ጆማ ግዳይ ሕድሕድ ኵናት ሶርያ ካብ ዝኾና ሚልዮናት ስድራታት ሓንቲ እያ።