እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ ንመዓስከራት ስደተኛታት ደዳብን ካኩማን ኣብ 2022 ከምእትዓጽው ኣፍሊጣ
ኬንያ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ሰነ 2022 ከምእትዓጽው ንሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጣ።
ምስ ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ከምዝተዘራረበት ዝሓበረት ኬንያ ክልተ ዓበይቲ መዓስከራት ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ዓመት ከምእትዓጽው ገሊጻ።
እቶም ኣብ 30 ሰነ 2022 ክዕጸዉ’ዮም ዝባሃሉ ዘለዉ መዓስከራት ስደተኛታት ከኣ ደዳብን ካኩማን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ሚንስተር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ኬንያ ፍሬድ ማቲያንጊ ነዚ ዘፍለጠ ብድሕሪ’ቲ ምስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲ ዘካየዶ ዘተ እዩ። ዘትኦም ድማ ትማሊ ሓሙስ’ዩ ተኻይዱ።
ዶክተር ማቲያንጊ ከምዝበሎ ካብ መንግስቲ ኬንያ ብዝውከሉ ሰበስልጣን ዝቐውም ጉጅለ ምስ ዩኤንኤችሲኣር ብምዃን እቲ መስርሕ ምዕጻው ካብ 5 ግንቦት 2022 ንኽጅመር ከቀላጥፍዎ እዮም።
እቲ ናይ ቀረባ እዋን ፍኖተ ካርታ ድማ ኣብ ፍቓድ ስደተኛ ተመስሪቱ ዝፍጸም ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መስርሕ፣ ካብ ሃገራት ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ኬንያ ንኽጸንሑ ዘኽእሎም ነጻ ፍቓድ ስራሕ ወይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቡ ዝብሉ ኣማራጽታት ከምዝሓዘ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ኬንያ፡ እቶም ንልዕሊ 400,000 ስደተኛታት ዘዕቖቡ ክልተ መዓስከራት ዝዕጸዉሉ ፍኖተ ካርታ ንኸዳሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ንሕቡራት ሃገራት ናይ ክልተ ሰሙን ገደብ ጊዜ ሂብዎ ምንባሩ ይዝከር።
ኬንያ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ስደተኛታት ክተዕቁብ ዝጸንሐት ኮይና መንግስቲ ግን ኣብዚ እዋን ነዚ ንምግባር ልዕሊ ዓቕሙ ከምዝኾነ ብምግላጽ’ዩ ነቶም መዓስከራት ክዓጽው ዝወሰነ።