ዩኒሴፍ፡ ኣብ ትግራይ 'ህጻናት ንዝኸፍአ ግህሰት መሰላት ተቓሊዖም' ኢሉ

ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ፡ 'ግህሰት መሰላት ህጻናት ምምሕያሽ ከምዘየረአየ'፡ ላዕለወይቲ ዳይሬክተር፡ ትካል ጉዳይ ህጻናት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሄንሬታ ፎሬ ተዛሪባ።

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስትን ፌዴራል መንግስትን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተወለዐ ኲናት፡ ሻውዓይ ወርሑ ኣቕጺሩ ይርከብ።

ልዕሊ 6 ሽሕ ኣላዪ ዘይብሎም ወይ ድማ ካብ ስድረኦም ዝተፈለዩ ህጻናት፡ ተመዝጊቦም ድጋፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ዝገለጸት እታ ሓላፊት፡ ብሰንኪ ጸጥታን ገደብ ምንቅስቓስን እቲ ትካል ክበጽሖም ኣብ ዘይከኣለ ከባብታት ድጋፍ ዝደልዩ ካልኦት ብዙሓት ከምዘለዉ ገሚታ።

እታ ሓለፊት ዩኒሴፍ፡ ድሕረ ባይታ እቶም ህጻናት ንምእላሽን ምስ ስደረኦም ንምርኻብን ዝግበር ጻዕሪ ድማ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ሰራሕተኛታትን እኹል መገዲ መራኸቢ ቴሌፎናትን ተሰናኺሉ ከምዘሎ ኣብ መግለጺኣ ወሲኻ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ወተሃደራት ፌዴራል ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸሩ፡ እቲ ኲናት ኲናት ኣብቂዑ እንተበለ'ኳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ውግእ ቀጺሉ ይካየድ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጸጥታ እቲ ክልል ይመሓየሽ ከምዘሎን እኹል ረድኤት የብጽሕ ከምዘሎን እዩ ዝገልጽ።

ነቲ ኲናት ስዒቡ ልዕሊ 1.7 ሚልዮን እንትመዛበሉ፡ ኣሻሓት ዝሞቱ ኾይኖም፡ ዝኸፍኣ ማሕበራዊ ቅልውላው ከየስዕብ ስግኣታት ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ቅልውላው እናኸፈአ ይመጽእ ከምዘሎ ብቐጻሊ የጠንቅቕ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ህጻናት፣ ነፍሰ ጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ''ብዘሰምብድ'' ደረጃ ብሕጽረት ምግቢ ከምዝተጠቕዑ ዘመላኽቱ ኩነታት ከምዘለዉ'ውን ኣጠንቂቑ።

ዩኒሴፍ ካልእኸ እንታይ ኢሉ

ትካል ዩኒሴፍ ኣብ መግለጺኡ፡ ሕዚ'ውን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንዝኸፍአ ጾታዊ ጥቕዓታት ተቓሊዐን ከምዘለዋ፤ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ንልዕሊ 540 ግዳያት ድጋፍ ከምዝገበረለን ወሲኹ ሓቢሩ።

እንተኾነ ብሰንኪ ጸጥታን ስግኣትን፡ ቁጽረን ዘይተነግረ ብዙሓት ዘድልየን ህጹፍ ድጋፍ ክረኽባ ከምዘይከኣላ ተዛሪባ።

ህጻናትን ወለዶምን ከምኡ'ውን ኣለይቲ ህጻናትን፡ ሕዚ'ውን ዝበጽሖም ጥቕዓታተት ተዛሪብኩም ተባሂሎም ጥቕዓት ከይበጽሖም [ሪታሌሽን] ከምዝሰግኡ ወሲኻ ሓቢራ።

ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ መናእሰይ ድማ፡ በቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብሓይሊ ከይምልመሉ ከቢድ ስግኣት ኣለዎም ኢላ።

ልዕሊ 700 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም እቶም ተመዛበልቲ፡ ኣብ ሕማቕ ኩናታት ከምዝርከብን ኣብቲ መግለጺ የመልክት።

ኣብ ውሑስ ዘይኮኑን ጽሬቶም ዘይሓለውን መዓስከራት ንማይ ወለድ ሕማማትን ጾታዊ መጥቃዕቲታትን ከምዝተቓልዑ'ውን ተገሊጹ።

ኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ክብጽሕ ከምዘይተኽኣለን፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ'ቲ ክልል 31 ሰብኣዊ ወፍርታት'ቲ ትካል፡ ብሰንኪ ውሑስ ዘይኮነ ጸጥታን ክልከላን ስርሖም ከምዝተኣጓጎሉ ወሲኻ ሓቢራ።

ኣብ'ቲ ጎንጺ ህጻናት ቀዳሞት ግዳያት ከምዝኾኑን፡ ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ንመሰልን ውሕስነትን ህጻናት ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ክንቀሳቐሱ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ዝተመዛበሉ ኣስታት 5 ሽሕ ህጻናት ምስ ስድራቤቶም ከምዝተፈላለዩ ትካል ግበረ ሰናይ ሴቭ ዘ ችልድረን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቶም ህጻናት ንጥምየት፣ ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲ ዝተቃልዑ ከምዝኾኑ እዩ ገባሪ ሰናት ህጻናት ኣድሕን (ሴቭ ዘ ችልድረን) ዝገልጽ።----

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ምስተነግረን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣወጀን፡ እቲ ዝፈንሐ ፍሕፍሕ ናብ ቅሉዕ ኵናት ኣምሪሑ።