እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝወጹ ኣፍሊጦም
ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡ ኣፍሊጦም።
እቲ ውሳነ ንሰላማዊ ፍታሕ መገዲ ንምጽራግ ዝተወስደ ምዃኑን 'ዓለም ለኸ ጸቕጢ' ስዒቡ ዝተገብረ ምዃኑን ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነታ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ትግራይ ኣትያ ዝጸንሐት ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላን ከም በዓል ወልድያ ዝኣመሰላ ካልኦት ኣገደስቲ ቦታታትን ከምዝተቖጻጸረ ሰብመዚ ገሊጾም ነይሮም።
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሕድሕድ፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ከምዘሎ ይፍለጥ። ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይተዓወተን ዘሎ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ መዓስ ንከተማ ላሊበላ ከምዝተቖጻጸረ'ኳ ብንጹር ኣንተዘይተገልጸ፡ ምትክል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮንን ብሰንበት ኣብታ ከተማ ከምዝተርአየ ጸብጻባት መንግስታዊ ሚድያ የመልክቱ።
እታ በቶም ኣብ መበል 12ን 13ን ክፍለ-ዘመናት ካብ ከውሒ ተወቒሮም ብዝተሰርሑ ኣብያተ-ክርስትያን እትፍለጥ ላሊበላ፡ ካብ 1978 ጀሚራ ዓለምለኻዊ ሓድጊ ብዩኔስኮ ኣፍልጦ ዝረኸበት ታሪኻዊት ከተማ እያ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚራ ድማ ሓያሎ ግዜ ካብን ናብን ኢድ ክልቲኦም ሓይልታት ክትኣቱን ክትወጽእን ጸኒሓ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ዝነበሩ ገስጋስ ምስተዓግተ፡ ናብቲ ደጀኖም ዝኾነ ክልል ትግራይ ክስሕቡ'ዮም ጸኒሖም።
እቲ ናይ ምስሓብ ስጉምቲ ኣካል ናይቲ ዝገብርዎ ዘለዉ "ኣድላዪ ምትዕርራይ" ምዃኑ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።
ብመራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተፈሪሙ ትማሊ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተልኣኸ ድብዳበ ግና፡ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ነቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ እጃሙ ክዋጻእ ይጠልብ።
እቲ ኣብ ዕግታ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥሜት ንምንጋፍ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቕልጡፍ ብዘይገደብ ዝኣትወሉ ውሑስ ናይ ኣየርን ምድርን መስመራት ክኽፈቱ'ውን እቲ መግለጺ ጸዊዑ'ሎ።
"ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግብኣና መሰላት ክኽበር እንተዘይኮይኑ፡ንባዕልና መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ድሌት የብልናን" ድሕሪ ምባል፡ ንኹሉ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድ ጸዊዖም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ኣትሒዙ፡ ነቲ ሰራዊት ንምምራሕ ናብ ግንባር ኲናት ምዃዱ ይዝከር።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታትን ገለ ከተማታትን ትግራይ ሓያል ደብዳባት ከካይድ ምጽንሑ'ውን ይፍለጥ።
ብሰንኪ'ቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክቕትሉ እንከለዉ፡ ሚልዮናት ተፈናቐሊሎም፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበዪ ረዲኤት ክኸውን ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።