እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ከተማ ወልዲያን ዞባ ሰሜን ወሎን ካብ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ናጻ ከምዝወጽአ ተገሊጹ
ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዛ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ዝጸንሐት ከተማ ወልዲያን ከባቢታት ዞባ ሰሜን ወሎን ምሉእ ብምሉኡ ናጻ ከምዝወጽአ ሓላፊ ኮሙኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ገሊጹ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቀዳም 09 ታሕሳስ 2014 ብኣቆጻጽራ ግእዝ ከምዝሓበሮ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ ወፍሪ ንሳንቃ፡ ሲሪንቃ፡ ናይ ሰሜን ወሎ ዋና ከተማ ዝኾነት ከተማ ወልዲያ፡ ሓራን፣ ጎብዬን፣ ሮቢትን ቆቦን ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮምወን ኣለው።
ብተወሳኺ፡ ሓሙሲት፣ እስታይሽ፣ አሁን ተገኝ፣ ድልብ፣ ኩል መስክን ኣብ ዙርየአን ዝርከቡ ኣከባቢታት ብሰራዊት ምክልኻልን ፍሉያት ሓይልታትን ናጻ ምውጽኡ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።
እቲ ሓባራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እንደገና ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ንዝኣተወት ከተማ ላሊበላ ዳግም ብምቁጽጻር፡ ናብ ከተማ ሰቆጣን ኣብ ኣከባቢኣ ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ከምዘምረሐ ብምግላጽ ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላን ከባቢኣን ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ ገሊጹ።
ኣብቲ ቦታ መስመራት ቴሌፎን ስለ ዘይሰርሕ ቢቢሲ ነቲ ዝብሃል ዘሎ ብዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮ ኣይክኣለን።
እንተኾነ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚሩ ሰራዊት ፌደራል ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ ቦታታት ከም ዝመንዝዐን፡ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ናይ ስትራቴጂ ለውጥን ምትዕርራያት ቦታን ከም ዝገበሩ ገሊጾም ነይሮም።
መንግስቲ፡ እቲ ሕጂ ናጻ ዝወጽእ ዘሎ ከባቢ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ብምጽንሑ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ በደል ክፍጸም ጸኒሑ እዩ ክብል ይኸስስ።
ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ምስተዘርግሑ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ዘእተውዋ ናይ መጀመርታ ከተማ ወልዲያ፡ ብጸረ መጥቃዕቲ ሰራዊት ፈደራል ናጻ ከምዘውጽኣት መንግስቲ ገሊጹ።
ናይ ዞባ ሰሜን ወሎ ማእከል ምምሕዳር ዝኾነት ከተማ ወልዲያ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከተማ ደሴ እያ ካብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ናጻ ትወጽእ ዘላ።
ካብ ኣዲስ አበባ ኣስታት 520 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ልዕሊ 200 ሽሕ ነባሪ ዘለዋ ጥንታዊት ከተማ ወልዲያ ኣብ ከም ማእከል ናይተን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ኢትዮጵያ እያ ትረአ።
ከተማ ወልዲያ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳር 360 ኪሎ ሜትር ከምኡ'ውን ካብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ 260 ኪሎ ሜትር፤ ካብ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ከኣ 168 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ትርከብ።
ብሸነኽ ክልል ዓፋር ከኣ ካብታ መብዛሕቱ ናይ ንግዲ ኣታውን ወጻእን ዝካየደላ ወደብ ጂቡቲ፡ ኣስታት 553 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ትርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ጎንጺ፡ ኣብ ጥቅምቲ ናብ ሰሜንን ደቡብ ወሎን ማለት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብምዝርጋሕ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ ናብ ሰሜን ሸዋ ብምግስጋስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምቕጻል ድሌት ከምዘለዎም ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ አሕመድ ናብ ግንባር ብምኻድ ነቲ ሰራዊት ክመርሖ ምስ ወሰነ ብህወሓት ተታሒዙ ዝነበረ ቦታታት ንምልቃቕ ኵናት ክካየድ ጸኒሑ። ግስጋሰ ህወሓት ተገቲኡ፡ ሒዞሞ ካብ ዝነበሩ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡ ተገዲዶም።
ኣብቲ ናይ መጥቃዕቲ ወፍሪ፡ ሰራዊት ምክልኻል፡ ፍሉይ ሓይልን ምሊሻን ከምኡ እውን ሓይሊ ኣየር ከምዝተሳተፈ ተገሊጹ።
መንግስቲ ፈደራል ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ክዋጋእ ዝጸንሐ ሰራዊቱ ብምውጻእ በይናዊ ናይ ተዅሲ ስምምዕ ደው ድሕሪ ምባሉ እዩ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ተዘርጊሖም ጸኒሖም።
ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ክሳብ ገበናት ኵናት ክብሃል ዝከኣል፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቅትለት፣ ምስዋርን ካልእን ዝርከቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ እዮም ዝገልጹ።
ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ ትሸዓተ ሚልዮን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ህዝብታት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከብሉ ኮይኑ ብዙሓት ንጥምየት ተቓሊዖም ከምዘለው ምንጭታት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።