እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ: ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ረድኤት ክዝቲ’ዩ
ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኹነታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘተ ሎሚ ሰኑይ ከካይዳ ምዃነን ተሓቢሩ።
እቲ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ጉዳይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝዝተየሉ ኮይኑ፤ ቀንዲ ዛዕባ ከምዘይኮነ ግን ተፈሊጡ’ሎ።
ኲናት ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክሳብ ዝለሓመሉ እዋን ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ልዕሊ 10 ጊዜ ኣኼባታት ከምዝተኻየዱ ይዝከር።
ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኽኻተት ዝሓተታ ዝሓተታ ኤስቶኒያ፣ ፈረንሳ፣ ኣየርላንድ፣ ኖርወይ፣ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ኮይነን ኣብ መጠቓለሊ እቲ ኣኼባ ከምተወሳኺ ዛዕባ ክለዓል’ዩ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኩነታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝምልከት ጸብጻብ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት - ኦቻ - ማርቲን ግሪፍትስ መብርሂ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን 9.4 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ከምዝኾኑ ውድብ ሕቡራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።
እቲ ሓላፊ፡ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ዘጋጠሙ ብድሆታት ብዝምልከት መብርሂ ዝህብ ኮይኑ፡ ኣባላት እቲ ባይቶ ድማ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረድኤት ተፈጺሞም ዝተበሃሉ መጥቃዕትታትን ዝምታ ረድኤትን ከምኡ ድማ ብኹሎም ኣብቲ ኲናት ብዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ዝፍጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘለወን መርገጺ ከፍልጣ’የን።
ወሃቢ ቓል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኮምቦልቻ ንረድኤት ዝተዳለዉ ዝተፈላለዩ ቀረባት ረድኤት ብሓይልታት ትግራይን ነበርትን ከምዝተዘመቱ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ግን ነቲ ተግባር ዝምታ ከምዘይፈጸምዎ’ዮም ኣፍሊጦም።
ናይ ሎሚ ኣኼባ ነቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ዓለምለኻዊ ኮሚሽን ክቐውም ምውሳኑ ስዒቡ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኢትዮጵያ እቲ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ክጣየሽ ንዝተወሰነ ውሳነ ብምቅዋም፤ እዚ ከኣ ነቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ብልፍንቲ ኮሚሽናት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ንዝተኻየደ ምጽራይ ከምኡ’ውን ዝውሰዱ ንዝጀመሩ ናይ መእረምታ ስጉምትታት ከምዘተዓናቕፍ ትገልጽ።
“ፖለቲካዊ ዕላማ ብምሓዝ” ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ጽዕንቶ ንምሕዳር ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ ድማ ምስቲ ዝጣየሽ መርማሪ ኣካል ምትሕብባር ከምዘይትገብር ኣፍሊጣ።
ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ካብ ትግራይ ሰጊሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልብዑ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ካብ መረበቶም ክፈናቐሉን ምኽንያት ኮይኑ’ሎ።