ኲናት ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ከተማ ኣላማጣ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ሰባት ተቐቲሎም"

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዓሰርተታት ሰላማውያን ሰባት ብደብዳብ ነፋሪት ከም ዝሞቱ ገሊጸም።

ክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ትማሊ ብስእልታት ኣሰንያ ኣብ ዘቃልሐቶም ጸብጻባት ኣብ ኣላማጣ ሽዱሽተ ግዜ ደብዳብ ነፋሪት ከም ተኻየደ ገሊጻ።

በቲ ደብዳብ፡ ህጻናት ዝርከብዎም 28 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉን 78 ከም ዝቆሰሉን እታ መደበር ቴሌቪዥን ኣቓሊሓ።

ከም መሰነይታ እቲ ዜና ኣብ ዘቕረበቶ ኣሳእል ድማ፡ ሓያሎ ሬሳታት ኣብ ባይታ ወዲቑ እንከሎን ህሩማት ኣብ ሆስፒታል ኣላማጣ እናተሓከሙ እንከለዉ ይርኣዩ።

ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብትዊተር፡ ኣብ ኣላማጣ ብድሮን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

ኣብቲ ቦታ መስመራት ቴሌፎን ስለ ዘይሰርሕ ቢቢሲ ነቲ ዝብሃል ዘሎ ብዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮ ኣይክኣለን።

ኣብቲ ቦታ ኢንተርኔት'ውን ስለ ዘየሎን፡ መንግስቲ ብዛዕባ ኵናት ዝምልከት ዝኾነ ሰብ ሓበሬታ ከይህብ ዝኽልክል ሕጊ ስለ ዘተኣታተወን ሓበሬታታት ምርካብ ከቢድ ካብ ዝገብርዎ ነጥብታት እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ውሃቢ ቃል ሰራዊት ኢትዮጵያን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ብቴለቪዥን ትግራይ ዝተቓለሐ ዜና ኣመልኪቶም ዝበልዎ ነገር የለን።

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ክህቦ ኣብ ዝጸንሐ፡ ናይ ኣየር መጥቃዕትታት ህወሓት ዝጥቀምሎም መሰልጠኒ ማእከላትን ፋብሪካታት ብረትን ዕላም ዝገበሩ ምዃኖም ይገልጽ ነይሩ እዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ኵናት፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ምስ ፈነዉ መንግስቲ ስርሒት ሕጊ ምኽባር ብምባል ኵናት ምስ ኣወጀ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብዘይምቁራጽ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኵናት፡ ካብ ክልል ትግራይ ሰጊሩ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን'ውን ክልሕም ክኢሉ።

ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ክሳብ ገበናት ኵናት ክብሃል ዝከኣል፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቅትለት፣ ምስዋርን ካልእን ዝርከቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ እዮም ዝገልጹ።

ብሓሙስ ኸኣ ሓይልታት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ "ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ቅትለትን ግዱድ ምስጓግን ተወለድቲ ትራይይ" ከም ዝፈጸሙ ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ከሲሶም።

ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ጎነጻዊ ምስጓግን ቅትለትን ገለ ካብቶም ኣብዚ ሓዲሽ ጸብጻብ ዝወጽኡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዮም።

ኣብቲ ጸብጻብ ካብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣካላት ጸጥታ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባውያን ፖሊስን ምልሻን ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ንተጋሩ ይኣስርዎምን ይሰጉዎምን ምህላዎምን ተገሊጹ።

ብተወሳኺ ፡ ብዙሓት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ካልኦት'ውን፡ ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐን፡ ስቅያት፣ ንጥምየትን ምሕራም ሕክምናዊ ክንክንን ተቓሊዖም ከም ዘለዉን እቶም ተሓለቕቲ ትካላት ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ግፍዕታት "ዘይተረጋገጸን ኣብ ባይታ ዘየለን'ዩ" ክብል እንከሎ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ብወገኑ ብግፍዕታት ቀንዲ ክኽሰሱ ዘለዎም ሓይልታት ትግራይ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ጸበጻብ ሓይልታት ትግራይ ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 9 መስከረም ኣብ ዝነበረ 10 መዓልታት ዓሰርተታት ሰላማውያን ሰባት ተወለድቲ ኣምሓራ ከም ዝቐተሉ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ተወሳኺ ግፍዕታ ይፍጸሙ ከም ዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ድሕሪ ምውጽኦም፡ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ሎሚ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ትማሊ ዓርቢ ብጠለብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተኻየደ ዘተ፡ ናብቲ ምናልባት ገበናት ኵናት ክኸውን ዝኽእል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓለምለኻዊ መርማሪ ጉጅለ ተመዚዙ ናብ ኢትዮጵያ ይልኣኽ'ዶ ኣብ ዝብል ውሳነ ክህብ እዩ።