ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኵናት ኢትዮጵያን ኣብ ስሩዓትን ማሕበራውን ሚድያታት ዘስዓቦ ውጽኢትን

ጽልኢ ዘጎሃህሩ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ዝኸፋፍሉ ጽሑፋት ይብተኑ። ማሕበራዊ ሚድያ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርድኢት ጸቕጢ ንምፍጣርን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ድያስፖራ ንምብጻሕን ኣብ ረብሓ ውዒሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኵናት ካብ ዝጅመር ኸኣ ሓደ ዓመት ኣሕሊፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 30 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትዊተርን ዓለም ለኸ ሚድያታትን “ንናይ መንግስቲ ለውጢ ይድግፉ” ከምዘለዉን “ንረብሓ ደገፍቲ ህወሓት ከምዝወዓሉን” ኣፍሊጡ።

ውሃቢት ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብልሌኔ ስዩም “ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፣ መራኸቢ ብዙሃንን ምሁራትን ንኢትዮጵያ ዝድግፉ ድምጽታት ይዕፈኑ ኣለዉ” ክትብል ገሊጻ ነይራ።

“ብኣንጻሩ ድማ ብዛዕባ ምቅያር መንግስቲ ዘውግዑን ንህወሓት ዝድግፉ ሓሳባት ከምዝጞልሑ ተገይሮም’ዮም” ዝብል ሓሳብ ምግላጻ ይዝከር።

ትዊተር” ግፍዕን ሓሶትን ህወሓት ዘቃልዑን ንኢትዮጵያ ዝድግፉን ድምጽታት” ዕላማ ገይሩ’ዩ ኢላ ከምእትኣምን እታ ውሃቢት ቃል መንግስቲ ገሊጻ ነይራ።

ትዊተር 30 ጥቅምቲ NoMore [ደጊም ይኣክል] ዝብል ሃሽታግ የፋልጡ ንዝነበሩ ፍሉጣት ሰባት ኣጊድዎም’ዩ።

እቲ ምንቅስቓስ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝድግፍ’ዩ።

ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ጸብጻባት እንታይ ጽልዋ ነይርዎ?

ኣብ ኢትዮጵያ ተበጻሕነት ኢነተርኔት ትሕቲ 20 ምኢታዊት’ዩ። እንተኾነ ግን ኩሎም እቶም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ማሕበራዊ ሚድያ ድምጾም ንምግዋሕ ተጠቒሞሙሉ’ዮም።

ንህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን “ራዕዳዊ” ኢሎም ዝጽውዑ ብዙሓት መንግስታዊ ሚድያታት ኣለዉ። መጻረይ እዋናዊ ሓበሬታ ዝተብሃለ ናይ መንግስቲ ትዊተር ገጽ ንናይ ዓለም ለኻዊ ሚድያታት ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ክነቅፍ ይርአ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጥቀዖም ጽሑፋት ብዙሕ ሰዓቢ ኣለዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 4 በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፌስቡክ ተጻሒፉ ዝነበረ ትሕዝቶ ከምዝተኣለየ ዝዝከር’ዩ። እቲ ዝተኣለየ ትሕዝቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክዓጥቕን ንህወሓት ክቐብርን ዘተሓሳስብ ጽሑፍ እዩ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ዝጥቅዖም ጽሑፋት’ውን እንተኾነ ብዙሕ ተኸታታሊ ዘለዎም ኮይኖም ርእይቶ ይወሃበሎም’ዩ።

ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ዘይተረጋገጹ ወይ’ውን ግዜ ዝሓለፎም ስእልታት፣ ቪድዮታትን ጽሑፋትን ይጥቅዑ። እዚ ከኣ ስኑዕ ሓበሬታ ንኽበዝሕ ኣኽእልዎ።

ፌስቡክ ናዕብን ጎንጽን ዝጽሕትሩ ጽሑፋት ኣብ ምቁጽጻር ሓላፍነቱ ብዝግባእ ኣይተዋጽአን ተባሂሉ ይንቀፍ’ዩ።

ፌስቡክ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 65 ፌስቡክ ኣካዉንት፣ 52 ገጻት፣ 27 ጉጅለታትን ካብ ፌስቡክ 32 ኣካውንታት ድማ ካብ ቴሌግራም ከምዝሰረዞም ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ።

እዞም ዝተኣለዩ ናይ ፌስቡክ ገጻት ልክዕ ብዘይኮነ መገዲ ዝሰርሑ ዝነበሩን ንናይ ፌስቡክ መምርሒ ዝጠሓሱን ከምዝኾኑ ተገሊጹ። እቶም ገጻት መበገሲኦም ኮነ ዕላማ ዝገበርዎ ኣብ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ።

በቲ ካልእ ገጽ ድማ ትዊተር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 6 ናብ ናይ ቅድሚት ገጽ እቲ ትካል ዘምጽኣሉ ናይ ኣዘራርብቲ ዛዕባታት መስርሕ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ። ከም ምኽንያት ገይሩ ዘቕረቦ ድማ “ንደቂ ሰባት ንኣካላዊ ጉድኣት ዘቃልዑ” ጽሑፋት ኣብ ገጹ ምብታኖም ከምዝኾነ ሓቢሩ።

መራኸቢ ብዙሃን ስለምንታይ ይንቀፉ?

ዘይሻራውያን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝመደብሮም መራኸቢ ብዙሃን ኮነ ዓለም ለኻውያን ሚድያታት “ስኑዕ ሓበሬታ ኣቃሊሖም” ዝብል ክሲ ይቐርበሎም።

ዘይሻራውያን መራኸቢ ብዙሃን ካብቲ ሓደ ዝበጽሖም ጸቕጥታት ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ ኮሚኒኬሽን መሳለጥያታት ስለዝተቛረጸ ብዛዕባ እቲ ኵናት ብምልኣት ንኸይጽብጽቡ ፈታኒ ገይርዎ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 10 ጥቅምቲ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ፡ ቢቢሲ፣ ሲኤንኤን፣ ሮይተርስን ኤፒን “ጽልኢ ብምቅላሕን ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ብምድፋርን” ኮኒንዎም።

እዚ መግለጺ ዝተውሃበ ሓይልታት ትግራይ ዓወት ተጎናጺፎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ከምዘለዉ ምስተቓልሐ’ዩ ነይሩ።

እቲ በዓል መዚ ንሓይልታት ትግራይ “ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ” ኢሎም ንኸይጽውዕዎም’ውን መጠንቀቕታ ሂቡ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።

ኣዲስ ስታንዳርድ “ኣጀንዳ ራዕዳዊ ህወሓት የፈጽም’ሎ” ብዝብሊ ክሲ ንሒደት መዓልትታት ተኣጊዱ ከምዝነበረ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

ብሚኒሰተር ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኢትዮጵያ ነበር ፊልሰን ዓብዱላሂ ዝተጣየሸ ነበድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መደብር ቴሌቭዥን ብዛዕባ እቲ ኵናት ካብ ናይ መንግስቲ ኣቀራርባ ወጻእ ዛንታ ብምስርሑ ተኣጊዱ።

ቅድሚ ሰሙናት ኸኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ክህቡ ካብ ዝተፈቐደሎም ኣካላት ወጻኢ ብዛዕባ ዓውደ ኵናት ኮነ ዜና ዓወታት ምቅላሕ ምኽልካሉ ይፍለጥ።