እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓላፊ ድሕነት ኢትዮጵያ ነበር ጌታቸው ኣሰፋን ካልኦት ክሱሳትን ገበነኛታት ተባሂሎም
ዋና ዳይሬክተር መረዳእታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ነበር ጌታቸው ኣሰፋን ካልኦት ሰበ ስልጣን እቲ ትካልን ብዝቐረበሎም ክሲ ገበነኛታት ከምዝኾኑ ቤት ፍርዲ ውሳነ ሂቡ።
ንኽሲ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ክምርምር ዝጸንሐ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ዋና ዳይሬክተር ጌታቸው ኣሰፋን ምክትሉ ዝነበረ ኣቶ ያሬድ ዘሪሁንን ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ካልኦት 26 ክሱሳትን’ዩ ብይን ሂቡ።
ኣብዚ ናይ ክሲ መዝገብ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋን ካልኦት ኣርባዕተ ክሱሳትን ጉዳይ ፍርዶም ንሶም ኣብዘይብሉ ከምዝተርኣየ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቶም ክሱሳት ካብ 1984 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ንድሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ዝተፈላለዩ ጸፍሕታት ብሓላፍነት ይሰርሑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ካብ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ወጻእ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘስካሕኽሑ ተግባራት ፈጺሞም ዝብል ክሲ’ዩ ቀሪብሎም።
እቶም ብቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከምዝኾኑ ዝተወሰነሎም ክሱሳት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሕቡኣት ኣብያተ ማእሰርቲ ኣዳልዮም ዘይሕጋዊ ተግባራት ፈጺሞም ዝብል ክሲ’ዩ ቀሪብሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ገበን ራዕዲ ተዛሚዱ ውልቀ ሰባት ኣብ ሕቡኣት ቤት ማእሰርቲ ንኣዋርሕ ከምኡ'ውን ዓመታት ኣሲርካ ኣብ ዝግበር ምርመራ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ግፍዕታት ብምፍጻም ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስልጣንካ ብዘይግቡእ ተጠቒምካ ዝፍጽም ከቢድ ናይ ብልሽውና ክስታት’ውን ቀሪብሎም።
እቶም ክሱሳት ብሰነዳት ዓቃቢ ሕጊ ገበነኛታት ከምዝኾኑ ቤት ፍርዲ ከምዘረጋገጸ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣፍሊጡ። ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ፣ ኣቶ ኣጽብሃ ግደይ፣ ኣቶ ኣሰፋ በላይን ኣቶ ሽሻይ ልኡልን ኣብ ዘይተረኸብሉ ገበነኛታት ምዃኖም እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።
ምክትል ዳይሬክተር መረዳእታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ያሬድ ዘሪሁንን ካልኦት ክሱሳትን ግን ምስ ጠበቓታቶም ኮይኖም ንውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተኸታተሉ ኮይኖም ተኸሰስቲ ኣብቲ ዝተወሃቦም ፍርዲ ክከላኸሉ ቤት ፍርዲ ወሲኑ’ሎ።
ተኸሰስቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብዋሕስ ወጺኦም ጉዳዮም ንኽከታተሉ ንቤት ፍርዲ ሕቶ’ኳ እንተቐርቡ ዓቃቢ ሕጊ ኣብቲ ናይ ዋሕስ ሕቶ ርእይቶ ብጽሑፍ ከቕርብ ስለዝበለ ተለዋጢ ቆጸራ ንዕለት 6 ታሕሳስ [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ሂቡ።