ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 60 ትካላት ጥዕና ብህወሓት ዕንወት ከምዘጋጠመን ተገሊጹ

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ 60 ትካለት ጥዕና ዕንወት ከምዘውረደ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ናይቲ ክልል ኣቶ ያሲን ሓቢብ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣቶ ያሲን ሓቢብ “ምሉእ ንምሉእ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ሓንቲ ሆስፒታልን 62 መደበራት ጥዕናን ዓንዩ ኣሎ” ኢሉ።

ካብተን ዕንወት ዘጋጠመን እተን 17 መደበር ጥዕና፡ ሓንቲ ሆስፒታልን 42 ማእከላት ጥዕናን ከምዝኾናን እቲ ዕንወት፡ ምዕናው መናድቅ እተን ኣብያተ ሕክምናን ስርቂ ናውቲ ሕክምናን ዘጠቃለለ ምዃኑ ኣቶ ያሲን ሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ዘሎ ስርዓተ ጥዕና “ኣዕንየሞ’ዮም ከይዶም፡ እቲ ዝበጽሐ ዕንወት ብገንዘብ ክትመን እንከሎ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣቢሉ እዩ ዝግመት” ኢሉ።

ቢቢሲ ነዚ ተገሊጹ ዘሎ ዕንወት ብዘይሻራዊ ኣካል ገረጋግጾ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ሞንጎ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋርን ሓይልታት ትግራይን ኣዋርሕ ዝወሰደ ኵናት ተኻይዱ ነይሩ እዩ።

መራሕቲ ህወሓት ነዚ ከምዚ ዓይነት ክስታት ብተደጋጋሚ'ዮም ዝነጽግዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ሓይልታት ፈዴራልን መሻርክቶምን ንሓይልታት ህወሓት ካብ ቀንዲ ቀተማታት ክልል ዓፋር ደፊአሞም ይርከቡ።

እቲ ማእከላት ጥዕና ዳጋማይ ተዓርዩ ክሳብ ናብ ስሩዕ ምሃብ ኣገልግሎት ዝምለስ፡ እናተንቀሳቐሳ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህባ ጉጅለታት ቆይመን ምህላውን ኣቶ ያሲን ሓቢሩ።

“ቅድሚ ሕጂ እናተንቀሳቐሳ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህባ 20 ጉጅለታት ነይረናና እየን ሕጂ ካብ 5 ክኣብ 10 ዝኾና ጉጅለታት ብምውሳኽ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዝህባ ንገብር ኣለና፡ ኣብቲ ንምብጽሑ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝኾነ ቦታታት ኸኣ ኣብዳ ዝብሃል ትካል ግብረሰናይ ኣገልገሎታት ጥዕና ይህብ ኣሎ” ይብል ኣቶ ያሲን።

እዘን ጉጅለታት ክታበታትን ናይ መወልዳንን ኣገልግሎታት ይህባ ምህላወን’ውን ተሓቢሩ።

እንተኾነ እቲ ዝውሃብ ዘሎ ኣገልግሎታት ንግዝያውነት ድኣ’ምበር ነቲ ዝነበረ ትሕተ ቅርጺ ናይ ሕክምና ዝትክእ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ሃጓፋት ከምዘለዉ ኣቶ ያሲን ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ዞባታት 2፡ 4 ከምኡ’ውን 5 ኣብ ልዕሊ ማአከላት ጥዕና ዝጋጠመ ዕንወት ኣዝዩ ዝኸፈአ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ንትሕተ ቅርጺ ሕክምና ክልል ዓፋር ናብዚ ቅድሚ እዚ ኵናት ዝነበሮ ደረጃ ንኽበጽሕ 20 ዓመታት ከምዝወሰደ ዝሕብር ኣቶ ያሲን “እዚ ኹሉ ጻዕሪ ዝፈሰሶ፡ እቲ ኣብ ርሑቅ ገጠራት ከብቲ ብምርባሕ ዝናበር ሰብኽ ሳግማዊ ህዝቢ ጥቅሚ ሕክማና ኣብ ዝተረድኣሉ’ዩ እዚ ዕንወት ዘጋጥም ዘሎ” ኢሉ።

ኣቶ ያሲን ነቲ ዘሎ ስእነት ሕክምና ንምግላጽ “ኣብ ከተማ ጭፍራ ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሰለስተ ዕሸላት ዝተገላገለት ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮይና እያ ሓሪሳ” ብምባል እቲ ሕብረተሰብ ኣጋጢምዎ ዘሎ ጸገማት ገሊጹ።

ኣብቲ ክልል ብዙሓት ህጻናትን ንሕጽረት ዝተመጣተነ መኣዛዊ መግቢ ተቓሊዖም ምህላዎም’ውን ኣቶ ያሲን ገሊጹ።

ሰብ ፋሕፋሕ ኢሉ ስለዘሎ ብዘይካ ኣብቶም ተፈናቀልቲ ብሓባር ዘጽለልሎም ከባቢታት ኣብ ካልእ ቦታታት ክታበት ምሃብ ደው ኢሉ ምጽንሑ ኣቶ ኣሲን ሓቢሩ።

ኣቶ ያሲን “ብዝተኻኣለ መጠን ክታበት ምሃብ ጀሚርና ኣለና፡ ግን ንሱ’ውን ከቢድ’ዩ ኮይኑ ዘሎ” ኢሉ።

ብዘይምቁራጽ መድሃኒት ክወስዱ ዘለዎም ተሓከምቲ ሕማም ሽኮር፡ ኤችኣይቪ፡ ዓባይ ሳዓልን ካልእን መድሃኒት ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ብምግላጽ ዕንወት እተን ማእከላት ጥዕና ንብዙሓት ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወ ገሊጹ።

ካብተን ዝዓነዋ ማእከላት ጥዕና ብውሕዱ ነተን 5 መደበራት ጥዕና ዳግማይ ስራሕ ንኽጅምራ ናውቲ ሕክማና ተላኢኹለን ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ያሲን፡ ኣብ ሓሙሽትኤን ዞቦታት ናይታ ክልል ነቲ ዝዓነወ ማእከላት ጥዕና ከፊላዊ ጽገናታት ንምግባር ሰብ ሞያ ተዋፊሮም ምህላዎም ሓቢሩ።