እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“እቲ ኵናት ናብ ዓሌታዊ ምጭፍጫፍ ከምርሕ ይኽእል’ዩ” ስግኣት ኣመሪካዊ ሰኔተር
ኣመሪካዊ ሰኔተር ክሪስ ኮንስ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝጀመረ ኵናት፡ ንኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ምፍራስ ከምዘቃለዓ ምስ ‘ቢቢሲ ፎኮስ ኦን ኣፍሪካ’ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ገሊጹ።
እቲ ኵናት ኣብዚ እዋን ኣብ ክንዲ ናብ ሰለማዊ ዘተ ናብ ምምቅቓል የምርሕ ከምዘሎ ብምሕባር “እዚ ናብ ዓሌታዊ ምጭፍጫፍ ከምርሕ ይኽእል’ዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ” ኢሉ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብብሄር ዝተወደቡ ምሊሻታት ከምዘለዉን ኣብ ሞንጎ ክልላት ተኸታተልቲ ግጭታታትን ምትፍናንን ከምዝተዓዘበ ዝገልጽ እዚ ሰኔተር “እዚ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ኣብ እዋን ሞት ቲቶ [ፕረዚደንት ዩጎዝላቭያ ዝነበረ ጆሲፐ ብሮዝ ቲቶ] ዝነበረት ዩጎዝላቭያ ኣዘኻኺርኒ” ኢሉ።
ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ወገናት ብዛዕባ ካልእ ብሄር ዝዛርብዎ ኣሰቃቒ ኣባሃህላትን ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቐሚሚም ነዚ ነገር ምጉህሃሮምን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ሰኔተር ክሪስ ኮንስ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ማሕበራዊ ሚድያ ኣናወጽቲ ኣገላልጻታት ንምእንጋድ ይውዕል ኣሎ፡ እዚ ኸኣ የሕስብኒ እዩ፡ ኣብ ሰለማዊ ዘተ ዘይኮንናስ ኣብ ምኽፍፋልን ግጭትን ኢና ዘለና፡ እዚ ኸኣ ናብ ዓሌታዊ ምጭፍጫፍ ከምርሕ ይኽእል’ዩ” ኢሉ።
እቲ ኵናት ምስ ጀመረ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቦም ምንባሮም’ውን ሰኔተር ክሪስ ኮንስ ኣዘኻኺሩ።
ናይ ኣመሪካ ኵናት ሓድሕድ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ናብ ከምኡ ዓይነት ከይትኣቱ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ምዝርራቦም’ውን ጠቂሱ።
“ህወሓት ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ፌደራል መጥቃዕቲ ምስ ፈጸሙ ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እየ ኣዘራሪበዩ” ብምባል ኸኣ ምስ ቀዳማይ ኣብይ ኣሕመድ ዝተዘራረብሉ እዋን ዘኪሩ።
ብምስዓብ “ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ኵናት ሓድሕድ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝነበሩ ጀነራላት እቲ ኵናት ኣብ ሒደት ሳምንታት ክውዳእ’ዩ ዝብል እምነት ከምዝነብሮም ንኣብይ ኣሕመድ ነጊረዮ ነይረ’የ” ድማ ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኵናት “ብቀሊሉ ክውዳእ’ዩ” ዝብል ግምት ከምዝበሮ ዝገለጸ እዚ ሰኔተር “እቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ ኣብ ሳምንታት ከምዝውዳእ ነጊሩኑ ነይሩ፡ ዝተወሰኑ ሰባት ንምእሳር እምበር ኵናት ከምዘይኮነ’ውን ገሊጹለይ” ብምባል ሰኔተር ክሪስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኵናት ሓድሕድ ኣመሪካ ንዓመታት ከምዝተኻየደ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ሳምንታት ክውዳእ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ከይተወደኣ ልዕሊ ዓመት ከምዝገበረ ኣረዲኡ።
ብዛዕባ ኵናት ሓድሕድ ኣመሪካ ኣመልኪቱ’ውን “ኣብ ታሪኽ ሃገርና ብዙሕ ደም ዘፋሰሰን ዕንወት ዘስዓብን እዩ ነይሩ” ኢሉ።
ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ታሪኽ ኣመሪካ ከም ኣብነት ብምጥቃሰ ከረድኦ እኳ እንተፈተነ ዝተቐየረ ነገር ከምዘይነበረ እቲ ሰኔተር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሰኔተር ክሪስ ኮንስ፡ ክልቲኦም ወገናት ብቀንዱ ኸኣ ኤርትራ፡ ናይቲ ዞባ ምልሻታትን ካልኦት ወገናትን ነቲ ኵናት ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከምዘዕረግዎ ገሊጹ።
“ሕጂ ምልስ ኢልና ምስ እንርእይ፡ እዚ ኵናት ሕጂ ምዕይ ናብ ዘየብል ነጥቢ እዩ ዓሪጉ ዘሎ” ኢሉ።
ብምስዓብ ኵናት መፍትሒ ክኸውን ከምዘይክል ብምግላጽ ክልቲኦም ወገናት ዘተ ንምግባር ድልዋት ክኾኑ ኣተሓሳሲቡ።
ተራ ካልኦት ሃገራት
‘ኣብቲ ኵናት ካልኦት ሃገራት ብሽፉን የእዳወን ይሕውሳሉ ስለዘለዋ እቲ ኵናት ቀልጡፉ ኣይውዳእን እዩ ዝብል እምነት ኣለካ ድዩ?’ ተባሂሉ ንዝቐረቡ ሕቶ ክሪስ ኮንስ ክምልስ እንከሎ “እወ ካልኦት ሓይልታት ነቲ ኵናት የጓሃህርኦ ኣለዋ” ኢሉ።
ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] ከምኡ’ውን ብካልእ ዓይነት ወተሃደራዊ መሳርሒታተ ደገፋት ብምሃብ ነቲ ኵናት ዘጉሃህራ ሃገራት ከምዘለዋ’ውን እቲ ሰኔተር ኣነጺሩ።
ሰኔተር ክሪስ፡ ሃገራት ብኢደ ኣዙር ኣብ ሓደ ኵናት ኢደን ምስ ዝሕውሳ፡ እቲ ኵናት ክሳብ ክንደይ ኣዕናዊ ከምዝኸውን ኵናት የመንን ሊብያን ምርኣይ ከምዝክኣል ገሊጹ።
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሓደ መዓልቲ ደው ምባሉ ከምዘይተርፍ ዝገለጸ ሰኔተር ክሪስ፡ “እቶም ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሱ ወይ ንኽጠሓስ ባይታ ዘጣጥሑ ክሕተቱ ኣለዎም” ኢሉ።
ብሰንኪ ኵናት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ውግእ ካብ ዝኽፈት ክሳብ ሕጂ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኣብ ክልል ትግራይ ብጥሜትን ዓጸባን ተጠቒዖም ምህላዎም ጸብጻባት ወሃብቲ ረድኤት ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።
እቲ ግጭት ናብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ምስ ለሓመ ከኣ ኣብ ክልቲኡ ክልላት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 1.1 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ቤት ንብረቱ ክፈናቐል እንከሎ 5.6 ሚልዮን ድማ በቲ ግጭት ከም ዝተጸልወ ይሕበር።
ኣብ ክልል ዓፋር እውን ኣስታት 260 ሽሕ ህዝቢ በቲ ግጭት ክጽሎ እንከሎ 100 ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ድማ ከም ዝተፈናቐለ ይጥቀስ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ ናብ ትግራይ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሰብኣዊ በረራታት ዳግም ከምዝጀመረን ንትካላት ረዲኤት ንመንቀሳቐሲ ዘድልዮም ልዕሊ 40 ሚልዮን ብር ጥረ ገንዘብ ናብቲ ክልል ከእትዉ ከም ዝተፈቕደሎምን ምሕባራ ይዝክር።