ኢትዮጵያዊ: ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ምእታው በዓልቲቤቱ ሓቢራ

'ተራራ ኔትዎርክ' ብዝብል ንዝፍለጥ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጽ መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ካብ መንበሪ ገዝኡ ብፖሊስ ከምዝተወስደ መሳርሕቱን በዓልቲቤቱን ሓቢሮም።

በዓልቲቤቱ ሰላም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ዝሰርሕ ዝነበረን ካብ ስደት ድሕሪ ምምላሱ ተራራ ኔትዎርክ ዝተሰመየ ናይ ዩትዩብ ቻነል ብምምስራት ክነጥፍ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ካብ መንበሪ ገዝኡ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተወሰደ ኣብሪሃ።

ታምራት ሎሚ ዓርቢ ረፋድ ምኽንያቱ ከይተገለጸሉ ንሕቶ ከምዝድለ ተነጊርዎ: ካብ ገዝኡ ናብ ሳልሳይ መደበር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተወሰደ መሳርሕቱ ኣረጋጊጾም።

ዓለምለኻዊ ተጣበቅቲ መሰል ጋዜጠኛታት ንዓመተ 2021 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ትሽዓተ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ካልኣይቲ ኮይና ምህላዋ ገሊጹ።

ሰላም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ምስቶም ናብ መንበሪ ገዝኡ ዝመጹ ናይ ሲቪል ክዳውንቲ ዝለበሱን ኣባላት ፖሊስ ምዃኖም ዝሓበሩን ውልቀሰባት ብረት ዝሓዙ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ምንባሮምን ናብ ናይ ስራሕ ቦትኡ'ውን ከም ዝኸዱ ገሊጻ።

እቶም ኣባላት ጸጥታ ካብ ስርሑ ከምኡ'ውን ካብ መንበሪ ገዝኡ ዝተፈላለየ ንብረት ከምዝወሰዱ ዝሓበረት ሰላም "ብቐጥታ ናብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ብምኻዶም፡ እቲ ማእሰርቲ ምስ ስርሑ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል ፈሊጥና። ናይ ቤትፍርዲ ኮነ ናይ ክሲ ወረቐት የለን። ንሕቶ ተደሊኻ ኣሎኻ ኢሎም እዮም ዝወሰድዎ" ኢላ።

"ጠበቓ ሒዝና ክንመጽእ ብምንታይ ገበን ከምዝተጠርጠረ ንገሩና ምስበልና 'ነዚ ድሕሪ መርመራን ሕቶን ኢና እንፈልጥ። ሕጂ ዝኾነ ንነግረኩም ነገር የሎን። ንሕቶ ኢና ደሊናዮ' ኢሎም ከይዶም"ድማ ትብል።

ቢቢሲ ታምራት ንዝተጠርጠረሉ ጉዳይ ንምፍላጥ ናብ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ኮምሽን ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካው ፋንታው እኳ እንተተወከሰ፡ እቲ ሓላፊ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ዝፈልጦ ከምዘየለ ገሊጹ።

ታምራት ብልምዲ 'ሶስተኛ' ናብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወሰደ ኣባላት ፖሊስ ከምዝሓበርዋ ዝገለጸት በዓልቲቤቱ ኪንዮ እዚ ብንጹር ኣበይ ከምዝርከብ ከተረጋግጽ ከምዘይከኣለት ሓቢራ።

ታምራት ነገራ ቅድሚ ዓሰርቲ ዓመታት ኣብ ሕትመት ህቡብነት ኣብ ዝነበራ ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ፖለቲካዊ ትንታነታት ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ዝነበረ ኮይኑ፤ እታ ጋዜጣ ብጸቕጢ ናይ መንግስቲ ክትዕጾ ከላ ታምራት ዝርከቦም ኣባላት እታ ጋዜጣ ናብ ስደት ምምርሖም ይዝከር።

ታምራት ንዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ስደት ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ድሕሪ ምምጽኡ እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ን'ተራራ ኔትዎርክ' ብምምስራት ክሰርሕ ጀሚሩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት 'ኡቡንቱ' ናይ ዝተባሃለ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጽ ኣባልን ኣክቲቪስትን ዝነበረ እያስፔድ ተስፋዬ ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ገዝኡ ተወሲዱ ኣብ ቀይዲ ምእታው ኣባላት ስድራቤቱ ንቢቢሲ ምግላጾም ይዝከር።

ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራ ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺታት፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቖጢዑ ምንባሩ ይዝከር።