ኢትዮጵያ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሃገራዊ ናይ ልዝብ መድረኽ ዝመርሕ ኮሚሽን ክምስረት ንዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ናይ ልዝብ መድረኽ ክምስረት ዘኽእል እማመ ሕጊ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከቕርብ ከምዝወሰነ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

ካቢነ ሚኒስተራት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘካየዶ "ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ" ሓደ ካብቲ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ቅድሚ ምርጫ ዝኣተዎ መብጽዓታት ፖለቲካዊ ዘተ ዝመርሕ ኮሚሽን ምቛም ምንባሩ ገሊጹ።

"ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ልዝብን ምይይጥን ብምክያድ፡ ሃገራዊ ምርድዳእን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ናይ ሓባር መርገጺ ከምዝህሉ ዘኽእሉ ስራሓት ምስራሕን" ሓደ ካብቶም መብጽዓታት ምንባሩ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘውጽኦ መግለጺ ይጠቅስ።

እቲ ዝምስረት ኮሚሽን ብዘይሻራዊ ኣካል ዝምራሕን ተቐባልነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጫፋት ዝተሰለፉ ሓይልታትን ህዝብን ዘቀራርብ ክኸውንን ከምዘለዎ'ዩ እቲ መግለጺ ኣሚቱ ዘሎ።

ኣብታ ሃገር፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ብሄራት ተኸሲቱ ዘሎ ምትፍናን ቀንዲ ፖለቲካውን ጸጥታውን ብድሆ ኮይኑ ምህላዉ ይግለጽ።

ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ብልጽግና፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር 'መስርሕ ፖለቲካዊ ስግግር' ተመያይጡ ምንባሩ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሰልፊ ኣቶ ኣደም ፋራህ ንማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ብካቢነ ሚኒስተራት ተቐባልነት ዝረኸበ እማመ፡ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ምስጸደቐ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝፍጠር መድረኽ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ከም ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዝበሉ ተቓወምቲ ጉጅለታትን ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታትን ከሳትፍ ዝኽእል እንተኾይኑ ኣይተነጸረን ዘሎ።

ብዙሓት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ፡ ንኹሉ ዘሳትፍ ናጻ ናይ ልዝብን ምምይያጥን መድረኽ ክጅመር ክጽውዓ ምጽንሐን'ውን ይፍለጥ።