እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ንኹሉ ዘካተተ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ እዩ’ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ
ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ምርድዳእ ንምፍጣር ንኹሉ ዘካትት ሃገራዊ ዘተ ከምዝካየድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊጹ፡፡
ንሱ ኣብቲ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት አፍሪቃ ኣብ ዝተረኸቡሉ ጽምብል ምስረታ ሓድሽ መንግስትን በዓለ ሽመትን ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ መጻኢ ዕጫ ኢትዮጵያውያን ብሩህ ንምግባር ‘‘ብሽም መንግስትናን ውድብናን ቃል ይኣቱ’’ ኢሉ፡፡
ንዝቕጽሉ ሓሙሸተ ዓመታት ሓላፍነት ዝተረከበ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ፡ ስርቂ ዝጽየፍ፣ ብቕንዕና ዘገልግልን ህዝቢ ከይፈለየ ነታ ሃገር ዘማዕብል ከምዝኸውን ዝገለጸ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ጽንዓት እቲ ህዝቢ ‘‘ካብኡ ምፍጣረይ ሕጉስ ክኸውን ገይሩኒ’’ ኢሉ፡፡
እታ ሃገር ዛሳለጠቶ ሃገራዊ መረጻ ካብ ጉድለታት ዝጸረየ ከምዘይነበረ ብምግለጽ ድማ ‘‘እንተኾነ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ወሲዱና እዩ’’ ኢሉ፡፡
‘‘ኢትዮጵያውያን ከም ህዝቢ ሓቢርና ዝተዓወትናሉ እዩ’’ ክብል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝተኻየደ መረጻ ገሊጽዎ፡፡
ኣብ ቀጻሊ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ዘተ ከምዝካየድን እዚ ድማ ሕብረ ብሄራውነት ዝረጋገጸሉ ከምዝኸውንን እውን ተዛሪቡ፡፡
ሎሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ቃለ ማሕላ ዝፈጸመ ኣብዪ ኣሕመድ ‘‘ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ተቐባልነት ዝረኸበ መንግስቲ ኣብ እንምስርተሉ መዓልቲ ኣብ ቅድመኹም ደው ብምባለይ ንፈጠሪየይ አመስግኖ’’ ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ናይ ዝሰዓረ ዘይኮነስ ናይ ምርድዳእ ክኸውን ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና፡፡ ብዘተን ምምኽኻርን ነቶም ግዘ ዘይህቡ ጸገማትና መፍትሒ ክንረኽበሎም ኢና፡፡ ኣሳታፊ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክነካይድ ኢና፡፡ ጸገማትና ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ እንፈትሐሉ ክኸውን እዩ’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ንሱ ንጎረባብቲ ሃገተራት ኣብ ዘሕለፎ መልእክቲ ድማ ኣብቲ ዞባ ካብቲ ዝፈላሊ እቲ ሓደ ዝግበር ጉዳያት ዝያዳ ዝዓበየ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡
እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና ብዝምልከት ድማ ምምሕያሽ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋን ምዝዛም ግድብ ህዳሰን ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡
ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ጽባሕ ንዝሓጸዮም ሚኒስተራት ክጸድቀሉ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ከቕርብ እዩ፡፡