እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ እተን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መካይን ስለምንታይ ክምለሳ ዘይከኣላ?
ኣብ ትግራይ ሕጂ'ውን ብዙሓት ስግኣት ዝፈጥሩ ኩነታት ኣብ ዘለውሉ ግዜ ብዛዕባ እተን ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ ብኣማኢት ዝቑጸራ ቃፍላይ መካይን ግን ብዙሓት ንሓድሕዶም ዝካሰሱ ርኢይቶታት ክወሃቡ ቀንዮም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መፋርቕ መስከረም ዝኣተዋ መካይን ኣይተመለሳን ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ብሕታዊ ናብ ትግራይ ረድኤት ዝኣትወሉ መገዲ ብክልል ዓፋር ጥራይ'ዩ ዘሎ።
ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዓልታዊ መግብን ካልኦት ከም ነዳዲ ዝበሉ ቐረባትን ዝሓዛ 100 መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከም ዘለወን ይገልጹ።
ክሳብ 16 መስከረም 2021 ኣብ ዘለው ክልተ ኣዋርሕ 466 ረድኤት ዝጽዓናት መካይን ብዓፋር ናብ ትግራይ ክኣትዋ እንከለዋ፡ እተን 38 ጥራይ ከም ዝተመልሳ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንከይኣቱ ምትዕንቓፍ ዝፈጥር'ዩ። ብምኽንያት ሕጽረት መካይን እኹል ዓቐን ዘለወን ናይ ጽዕት መካይን ክንእክብ ኣይክኣልናን" ክብል ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊጹ።
ስለ ምንታይ ዘይተመልሳ?
እተን መካይን ኣበይ ኣለዋ ክንብል ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲትና። እንተኾነ መብርሂ ክህቡ ኣይክኣሉን።
ሓይልታት ትግራይ፡ ንመንግስቲ ፌደራልን ነቶም ኣብ ጎኑ ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታትን ይነቕፉ።
"መራሕቲ እተን መካይን፡ ናብ ትግራይ ዘእቱ ነዳዲ ጥራይ'ዩ ዝወሃቦም። ንክምለሱ ዘኽእሎም ነዳዲ [ትርፊ] ኣይወሃቦምን" ክብል ህወሓት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
ህወሓት፡ መንግስቲ ፌደራል ብግብረ ሽበራ ዝመዝገቦ ፖለቲካዊ ሰልፊ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ውድብ ግን ሕጋዊ ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ከም ዝኾነ ይገልጽ።
እቲ ሰልፊ ኣብ መግለጺኡ መራሕቲ እተን መካይን መብዛሕትኦም ተጋሩ ስለ ዝኾኑ ኣብ መፈተሺ ጣብያ ብኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ሰብ መዚ ጸጥታን [ካብ ትግራይ ወጻኢ] ብዙሕ ግህሰትን ምፍርራሕን ይበጽሐና'ዩ ዝብል ቅርታ ኣለዎም ኢሉ።
ካብዚ ብዝብገስ ተመሊሶም ንክኸዱ ፍቓደኛታት ከም ዘይኮኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ርእሲኡ መጠን እቲ ክሕዙዎ ዝኽእሉ ገንዘብ ድሩት ስለ ዝኾነን ምስ ተመለሱ'ውን ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ባንኪ ብዘይምህላዩ ገንዘብ ዘይረኽቡ ምዃኖምን ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እተን ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መካይን ዘይምምላሰን ረድኤት ኣብ ምብጻሕ ጸገም ከም ዝፈጠረ ተኣሚኑ።
ይኹን'ምበር ኮሚሽነር ሃገራዊ ስግኣትን ሓደጋን ኣቶ ምትኩ ካሳ ብምኽንያት ሕጽረት ነዳዲ'የን ዘይምለሳ ዘለዋ ንዝብል ምኽንያት ነጺጉዎ።
ብተወሳኺ ካብ ሰብ መዚ መንግስቲ እተን መካይን ህወሓት ንኲናት ይጥቀመለን ከይህሉ ዝብል ርኢይቶ ተዋሂቡ'ዩ።
ሓይልታት ትግራይ ዋላ'ውን ናብ ገለ ከባቢታት ክልል ዓፋር ኣትዮም እንተሃለውን፡ ክሳብ ሕጂ ግን ነዚ ክሲ ዘረጋግጽ ነገር ኣይተረኽበን።
ነዳዲ
ኦቻ፡ እተን መካይን ዘይተመለሳሉ ምኽንያት እቶም መራሕቲ መካይን "ብምኽንያት ሕጽረት ነዳድን ስግኣት ድሕነትን" ክምለሱ ኣይደልዩን ክብል ግልጺ ገይሩ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ትግራይ ቐረብ ነዳዲ ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ ነዳዲ ዝጽዓና'ውን ናብቲ ክልል ከይኣትዋ ተኸልኪለን ክብል ቅርትኡ ገሊጹ ነይሩ።
"ነዳዲ ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ንምሕላፍ ዘኽእል ፍቓድ ብተደጋጋሚ ብሰብ መዚ ዓፋር ተኸልኪልና ኢና" ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ወርሒ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምስ ውድብ ሕቡራትን ካልኦት ኤጀንሲታት ሰብኣዊ ረድኤትን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ'ውን ሕጽረት ጥረ ገንዘብን ነዳድን እተን መካይን ንከይምለሳ ጸቕጢ ይፈጥሩ ምህላዎም ክልዓል እንከሎ እተን መካይን ናብ ትግራይ ዘእትወን ነዳዲ ጥራይ ክሕዛ ከም ዝፍቀደለን ተሓቢሩ።
እቶም ኤጀንሲታት "ክሳብ ሕጂ ገደብ ጥረ ገንዘብን ካልኦት ነዳዲ ንምርካብ ዘለው ጸገማትን ተደሚሮም እተን መካይን ካብ መቐለ ንክምለሳ ዓብዪ ጸገም ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሙናዊ 200 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ከም ዘድልዮ ብምግላጽ ክሳብ ወርሒ 12 ሓምለ 2021 300 ሽሕ ሊትሮ ጥራይ ናብ ትግራይ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ።
እታ ናይ መወዳእታ ነዳዲ ዝጽዓነት መኪና ብ29 ሓምለ 2021 ክትኣቱ እንከላ እቲ ዝነበረ ከኣ ብ17 መስከረም ከም ዝተወድአ እቲ ውድብ ገሊጹ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብ21 መስከረም ናብ ትግራይ ንክኣትዋ ዝግብአን ፍቓድ መንግስቲ ዝጽበያ ዘለዋ ትሸዓተ መካይን ኣብ ሰመራ ጠጠው ኢለን ምህላወን ተሓቢሩ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ኣብ ትግራይ ዘለው ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ብዙሓት ተጋሩ መራሕቲ መካይን ካብ ክልሎም ወጻእ ኣብ ዘለው መፈተሺ ጣብያታት ምግፋዕ ይበጽሖም'ዩ ኢሎም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ሓደ ካብቶም ዝጠቕሱዎም ምኽንያታት . . . ማህረምቲ፣ ምግፋዕ፣ ምፍርራሕን ካብ ሰመራ ናብ መቐለ ኣብ ዘሎ መገዲ ዘጋጥም ዝምታን ከም ዝበጽሖም ብምግላጽ ንድሕነቶም ስግኣት ከም ዘለዎም'ዩ" ኢሉ።
እቲ ትካል ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ክልል ዓፋር ብዘለው ዕጡቓት ፖሊስ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት መገዲ ንምጽናዕ ዝኸዱ ሰራሕተኛታቱ ምፍርራሕን ግህሰትን ከም ዘጋጠሞም ገሊጹ ነይሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምብጻሕ እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ስሉጥ ንክኸውን ብዝሒ ናይ መፈተሺ ጣብያታት ከም ዝነከየ ብምግላጽ "ዋላ'ውን እዚ ጸገም እንተተፈትሐ ቑጽሪ በቶም ሰብኣዊ ረድኤት ዝህቡ ትካላት ዝብገሳ መካይን ግን ኣይወሰኸን" ክትብል ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ነቒፋ።